ሰሜን ኮሪያ ባላስቲክ ሚሳኤል ኣወንጪፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ  ዶናልድ ትራምፕ ምስ ፕሬዚዳንት ሰሜን ኮሪያ ኪም ጆንግ ኡን ንምርኻብ ደልዊ ከምዝኾኑ ድሕሪ ምግላፆም ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ሰሜን ኮሪያ ባላስቲክ ሚሳኤል ኣወንጪፋ።

ሰሜን ኮሪያ ነቲ ባላስቲክ ሚሳኤል ናብ ምብራቕ ወሰን ባሕሪ ምውንጫፋ ደቡብ ኮሪያን ጃፓንን ኣፍሊጠን።

ሰሜን ኮሪያ ምስ ቻይና ኣብ እትዳቦቦሉ ሰሜን ምዕራብ ሸነኽ እታ ሃገር ዝተወንጨፈ ሚሳኤል ከምዝኾነ ሰራዊት ደቡብ ኮሪያ ገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ሳናይ ታካኢቺ ብግደኦም፥ እቲ ባለስቲክ ሚሳኤል ካብ ኢኮኖሚ ዞባ ጃፓን ወፃእ ምዕላቡ ገሊፆም።

ብኣቤል ነዋይ

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

Comments (0)
Add Comment