ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ዋና ፈፃሚ ስራሕ ጉዳያት ፖለቲካን ህዝባዊ ውዳበታትን በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናብ ስርሖም ተመሊሶም ኣገልግሎት ህዝቢ ክህቡ ፀዊዖም።
ኣይተ ረዳኢ ዕላዊ ምጅማር ስራሕ እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ኣብ ዘብሰሩሉ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ሲቪል ሰርቫንት ናብ ስርሑ ክምለስ ዝተገብረ ፃውዒት ብተግባር ክረጋገፅ ከምዘለዎ ብምሕባር ኩሎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናብ ስርሖም ተመሊሶም ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ኣተሓሳሲቦም።
ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ብይቕረታን ምሕረትን ክፍትሑ ዝኽእሉ ጉዳያት ብኣግኡ ክዛዘሙ፣ ካብኡ ወፃእ ዝኾኑ ድማ ብሕጋዊ መስርሕ ዕልባት ክረክብ ከምዝግባእ ኣብሪሆም።
ካብዚ ብተወሳኺ ሕነ ምፍዳይ፣ ቂምበቐልን ቅርሕንቲን ቦታ ክህልዎ ከምዘይብሉን ኣፈላላያት ብዕርቂን ምርድዳእን ክፍትሑ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም።
ኣብ ወረዳታት ይካየዱ ዘለዉ ህዝባዊ መረፃታት እወንታዊ ጅማሮታ ምዃኖም ዝገለፁ ኣይተ ረዳኢ፤ ኣብቲ መስርሕ ውልቃዊ ረብሓ ንምርካብ ዝመስሉ ምንቅስቓሳት ክረኣዩ ከምዘይብሎም ኣጠንቂቖም።
ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ረብሓ ህዝቢ ናብ ሓደጋ ከእቱ ስለዝኽእል ብእዋኑ ክእረም ፀዊዖም።
ኣብ ጉዳይ ሰላምን ድሕነትን ብምድሃብ ኣንፃር ህዝቡ ደው ምስ ዝበለ ስርዓት ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ተሰሊፎም ዘለዉ ዕጡቓት ፃውዒት ሰላም ተቐቢሎም ናብ መስርሕ ምፍታሕ ዕጥቂን ዳግመ ምጥያሽን (DDR) ክፅንበሩ ኣይተ ረዳኢ ምዒዶም።
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብዚ ሕዚ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ንኽረጋገፅ ዝተፃወቶ ግደ ብምምስጋን፤ ሰላም ንምዝራግ ብዘይደልዩ ኣካላት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ዝቐርብ ፀለመ ዓገብ ክበሃል ከምዝግባእ ኣስሚሮምሉ።
ብዛዕባ ምምላስ ተመዛበልቲ ወገናት መብርሂ ዝሃቡ ኣይተ ረዳኢ፤ እቲ ናይ ምምላስ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጦም።
ኩሉ ዓይነት ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ብናፅነት ዝተኣናግዱ መድረኻትን ሚድያታትን ክፍጠሩ ምዃኖም ዝገለፁ ኣይተ ረዳኢ፤ ኣፈላላይ ሓሳብ ከም ፀጋ ብምቑፃር ብዘተን ምርድዳእን ንትግራይ ናብ ቅድሚት ዘሰጉም ሓባራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ከምዝስራሕ ኣረጋጊፆም።