ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዝለዓለ ብርኪ ልእኽትኡ ይዋፃእ ኣሎ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዝለዓለ ብርኪ ልእኽትኡ ይዋፃእ ኣሎ ኢሎም ላዕለዋይ ኣዛዚ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ።
ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ሕፁያት መኮንናት ሑርሶ ሎሚ መበል 27 ዙር ዘሰልጠኖም ሕፁያት መኮነናት ኣመሪቑ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ ስነስርዓት ምረቓ ከምዝበልዎ፤ ታሪኻዊ ፀላእቲ እታ ሃገር ምስ ባንዳታት ብምውዳድ ሃገር ንምጥፋእ ፃዕሪ ዋላ ተገበሩ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ግን ብሕፍረት ንክምለሱ ገይርዎም እዩ፡፡
ተልእኾ ናይ ወፃኢ ሓይልታት ብምቕባል ሰላም ሃገር ንምዝራግ ዝንቀሳቀሱ ኣካላት ኣብ ዝወሰድዎ ስጉምትታት ዓወት ከምዝተረኸበ እውን ገሊፆም።
እቶም ተመረቕቲ መኮነናት ዶባት ሃገር ምሕላው ጥራሕ ዘይኮነስ ትምኒት ፀላኢ ንምፍሻልን ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ንምስፋን ግደኦም ክፍፅሙ ይግባእ ኢሎም።
ብተስፋዬ ሃይሉ
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment