ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 119 መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል ነቲ ሰራዊት ብዝተፈላለየ መገዲ ኣበርክቶ ንዝገበሩ 10 ዜጋታት ናይ ክብሪ ኣባልነት ሰራዊት ምክልኻል ኣፍልጦ ተዋሂቡ።
119 ዓመት መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል “ሰራዊት ዓወት” ብዝብል መሪሕ ቃል ሎሚ መዓልቲ ተኸቢሩ።
እቲ ናይ ክብሪ ኣባልነት ኣፍልጦ ኣብ መበል 119 መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል ብውልቆም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን ፅልዋ ዝፈጠሩን ንሰራዊት ምክልኻል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ዜጋታት ዝውሃበ እዩ።
ብመሰረት እዚ ኣይተ ታየ ቦጋለ ኣረጋ ሓዊሱ ን10 ዜጋታት ናይ ክብሪ ኣባልነት ሰራዊት ምክልኻል ኣፍልጦ ተዋሂብዎም።