ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ልኡላውነት ሃገሩ ካብ ምሕላው ሓሊፉ ንኣፍሪካ ዘኹርዕ ሓይሊ እዩ ኢሎም ፕሬዚዳንት ቡሩንዲን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካን ኤቫሪስቴ ንዳይሺሚዬ፡፡
ንዕላዊ ዑደት ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ፕሬዚዳንት ኤቫሪስቴ ንዳይሺሚዬ ሎሚ ዕለት ኣብ ሚኒስቴር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዶም።
እቶም ፕሬዚዳንት ብሚኒስትር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)ን ላዕለዎት ጄኔራል መኮነናትን ወታደራዊ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ፤ኣብ ሚኒስቴር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዶም፡፡
ኣብቲ እዋን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ብዝያዳ ዝጠናኸረሉ ኩነታት ብዝምልከት ክልተኣዊ ዘተ ኣካይዶም።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ልኡላውነት ሃገሩ ካብ ምሕላው ብዝሓለፈ ንኣፍሪካ ኩርዓት ምዃኑ ዝተገለፁ እቶም ፕሬዚዳንት፤ እቲ ሰራዊት ንቡሩንዲ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ንዝነበሮ ተራን ዝተፈጠረ ናዕቢ ንዝኸፈሎ መስዋእትነትን ኣመስጊኖም።
ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ኣድማዒ ንጥፈታት ከምዘካየዱ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ንሰራዊት ብሩንዲ ስልጠናን ዝተፈላለየ ደገፍን ክትገብር ከምዝፀንሐት ገሊፆም።