ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ኣንፈት ንዝፍተን ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ንምምካት ዘኽእል ኣብ ዘተኣማምን ቁመና ይርከብ ኢሎም ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ።
ምእኸላዊ እዚ ዳሉል” ጥንኹር መሰረት ንዓብዪ ዓወት ክንፅዕር ኢና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክካየድ ዝፀንሐ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ኣብ ጅማ ኣካይዱ፡፡
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ቀንዲ ልእኽቶ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ ሃገር ምሕላውን ልኡላውነት ምሕላውን ስለዝኾነ ድልውነቱ እናተጠናኸረ ቀፂሉ።
ኢትዮጵያውያን ናይ ጅግንነትን ዘይምስዓርን መንፈስ ዘለዎ ህዝቢ ምዃኑ ዓለም ዝፈልጦን ታሪኽ ዝምስክሮን ሓቂ እዩ ዝበሉ እቶም ፊልድ ማርሻል፤ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንምጥንኻርን ክብሩ ንምሕላውን ኣብ ውሑስ ኩነታት ከምዘሎ ገሊፆም።
ማእኸላይ እዚ ዳሎል ኣብ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ከባቢኡን ሰላም ንምዕቃብ ዓብዩ ኣበርክቶ ክገብር ከምዝፀንሐ ብምዝኽኻር ሕዚ ድማ ድልውነቱ ከጠናኽር ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!