ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ንዘበናት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ዝመፅአ ዋልታ ኢትዮጵያ ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንኽብሪ ሃገርን ድሕንነት ህዝቢን እናተዋደቐ ኣብዚ በፂሑ ኣሎ።
በዚ ድማ ኢትዮጵያ ብብርቱዕ ቅልፅም ደቃ ተኸቢራን ተሓፊራን ንዘበናት ዶባታ ተሓልዩ ክሳብ ሎሚ ክትበፅሕ ክኢላ እያ።
መበል 119 መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል “ሰራዊት ዓወት” ብዝብል መሪሕ ቃል ሎሚ ይኽበር ኣሎ።
እቲ በዓል እንትኽበር ሰራዊት ምክልኻል ዶብ ሃገር ካብ ምሕላው ብተወሳኺ፣ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ንምርግጋፅ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራትን ዞባታት ልኡኽቶን ዘመዝገቦም ዓወታት ዘርአዮ ፍቕሪ ሃገርን ንህላወ ኢትዮጵያ ዝኸፈሎ ልዑል መስዋእቲን ብምዝካር ዝኽበር እዩ።
ኣቦታት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ሰራዊት ምክልኻል እንትምስክሩ፤ ሰራዊት ምክልኻል ዕጥቂ እኳ እንተዘይነበሮ፤ ዝነበሮ ብዓለም ዝፍለጥ ወነ ንዝኾነት ሃገር ንምውራር ተበጊሱ ዘይፈልጥ ክወርሩ ንዝመፅኡ ግና ሓፊሮም ክምለሱ ዝገብር ሰራዊት ምዃኑ ይምስክሩ።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከም ሎሚ ዘበናዊ ኣፅዋር እኳ እንተዘይተዓጠቐ፤ ስሙ ኣብ ዓለም ዝፍለጥ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ብምርግጋፅን ሉኣላውነት ሃገር ብምሕላውን ዝፍለጥ ብርቱዕ ሰራዊት እዩ።
እዚ ሰራዊት ደጀን ህዝቢ ብምዃን ዶብ ሃገር ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ወዲ ህዝቢ ኮይኑ ኣብ ማሕበረሰብ ዘጋጥሙ ሰብ ሰራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋታት እንትፍጠሩ ብቕልጡፍ ዝበፅሕ ሓጋዚን ንብዓት ህዝቢ ዝሕብስን እዩ።
ኣብ ዓለም ለኸ ልኡኽቶታት ሰላም እውን ሰንደቕ ዕላማ ሃገሩ ብልዑል ዲሲፕሊን ኣልዒሉ ብኽብሪ ዘውለብልብ ምልክት እዩ።
ብእመቤት ሲሳይ