ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰርዓት ገንዘብ ዓለም ኣብ ምዕባ ናይ ዘለዋ ሃገራት ዘላቒ ልምዓት ኣብ ግምት ዘእተወ ፍትሓዊን ሓቛፊን ንክኸውን ፃውዒት ኣቕሪባ።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ጎኒ ንጎኒ ዓመታዊ ኣኼባ ባንኪ ዓለምን ትካል ገንዘብ ዓለምን ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 14 ኣኼባ ጉጅለ 24 ተሳቲፎም።
ኣብቲ መድረኽ፥ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣይ ኤም ኤፍ ክሪስትሊና ጆርጂየቫን ማኔጂንግ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣና ቤርዴንን ሓዊሱ ሚኒስትራት ፋይናንስ ኣባል ሃገራት ተረኺቦም።
እቶም ሚኒስትር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ንዓበይቲ ሃገራት ፍትሓዊ ተበፃሕነት ፋይናንስ ዘረጋግፅ ጠንካራ ስርዓት ገንዘብ ዓለም ክህሉ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም።
ኣባል ሃገራት ጉጅለ 24 ብመሰረት ማዕቐፍ ጉጅለ 20 ናይ ልቓሕ ሽግሽግ ከይዲ ተግባራዊ ንክግበር ዘቕረብኡ ሕቶ እዋኑ ዝሓለወ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ብምሰረት እዚ ዝተገበሩ ተግባራት ንኢዶም።
እቶም ማኔጂንግ ዳይሬክተራት ብግደኦም፥ ትካላቶም ምስ ጉጅለ 24 ዝገብሮም ተግባራት ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!