ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ንኡስ በዓል ዋና ማንቼስተር ዩናይትድ ሰር ጂም ራትክሊፍ ኣብ ሓደ ዓመት ልዕሊ 6 ቢልዮን ፓውንድ ከሲሮም።
እንግሊዛዊ በዓል ሃፍቲ ሰር ጂም ራትክሊፍ ሃፍቶም ካብ 23 ነጥቢ 519 ቢሊየን ፓውንድ ናብ 17 ነጥቢ 046 ቢሊየን ፓውንድ ምውራዱ ቢቢሲ ፀብፂቡ።
እዞም በዓል ሃፍቲ ወዲ 72 ዓመት ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ካብ ሓፈሻዊ ሃፍቶም ርብዒ ሃፍቶም ምስኣኖም እቲ ፀብፃብ ይሕብር፡፡
በዙይ እውን ኣብ እንግሊዝ ልዕሊ 350 ሃፋታም ሰባት ዓመታዊ ዝርዝር ውሽጢ ካብ ራብዓይ ናብ ሻውዓይ ትሕት ምባሎም ተሓቢሩ፡፡
ምምሕዳር ራትክሊፍ ወፃኢ ንምንካይ ብዝብል ምኽንያ ሰራሕተኛታት እታ ክለብ ንምንካይ ምውሳኖም ደገፍቲ እታ ክለብ ከምዘቖጠዐ ይዝኸር።
ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብቲ ፕሪሚየር ሊግ ክልተ ፀወታታት እንትተርፋ ብ39 ነጥቢ ኣብ 16 ደረጃ ትርከብ።
እታ ክለብ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ተስፋን ሽልማት ገንዘብን ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ምስ ቶተንሃም ሆትስፐር ኣብ ዝካየድ ናይ መወዳእታ ፀወታ ዩሮፓ ሊግ ክውሰን እዩ።
ብወንድማገኝ ፀጋዬ