ሰብ ሞያታት መራከብቲ ሓፋሽ ኣብ ማእኸላይ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ቦታታት ቱሪስት ዑደት ይገብሩ ኣለው

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ካብ ዝተፈላለዩ መራከብቲ ሓፋሽ ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያታት ኣብ ማእኸላይ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ቦታታት ቱሪስት ዑደት ይገብሩ ኣለው፡፡

እቶም ሰብ ሞያታት ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ባህላዊ መስሕባት ሓዊሱ ኣብ ዞባ ጉራጌ ዝርከብ ብሄራዊ ፓርክ ግቤ ሸለቆ ዑደት ገይሮም፡፡

‎ብሄራዊ ፓርክ ግቤ ሸለቆ ኣብቲ ክልል ዝርከብ ብሕታዊ ፓርክ እንትኮን፤ ኣብ ውሽጡ መልክኣ ምድራዊን ተፈጥሮኣውን መስሕባቱ ንቱሪስት ተመራፂ ንክኾ ይገብሮ።

ይኹን እምበር እቲ ፓርክን ከምዚ ዝኣመሰሉ መስሕባትን ከም መባፅሕ ቱሪስት ናይ ምዃን ዓቕሞም ልዑል እኳ እንተኾነ ስራሕቲ ምፍላጥ ብዘይምስርሑ ግቡእ ቁፅሪ በፃሕቲ ዘይምትእንጋዱ ተገሊፁ፡፡

ከምኡ እውን ኣብ ፍሉይ ወረዳ ቀቤን ማእከል ባህሊን እቶም ሰብ ሞያታት መራኸብቲ ሓፋሽ ዑደት ኣካይዶም።

‎ብተወሳኺ ብሚኒስቴር ቱሪዝም ዝምራሕ ጉጅለ መራኸብቲ ሓፋሽ ዑደት ነቶም መስሕባት ንምልላይ ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊፁ።

ብሚኪያስ ኣለሙ

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment