ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓታት ንምሕላው ብትኹረት ክሰርሑ ይግባእ – ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ዋና ዳይሬክተር ብሄራዊ ደሕንነት ኣገልግሎት ጀነራል ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፣ ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓታት ንምሕላው ብትኹረት ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም።
በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ምስ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብምትሕብባር ኣብ ሃገራዊ ረብሓታት፣ ሞያዊ ስነ-ምግባር፣ ከምኡ እውን ብፖሊሲን ስትራቴጂን ዙርያ ዝሰልጠኑ ዝተፈላለዩ ጋዜጠኛታት መራኸብቲ ሓፋሽ ኣመሪቆም።
ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሃገር ከይትዳኸም ኣብ ዝክኣለሎም ብሓድነት ደው ምባል ኣብ ዝኽኣለሉ እዩ ኢሎም።
ሃገራዊ ሓድነት ካብ ምጥንኻር ብተወሳኺ ሃገራዊ ረብሓ ምሕላው ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ኩሉ ዜጋ ንሃገራዊ ረብሓ ክሰርሕ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።
ኣብዚ መዳይ ግደ መራኸብቲ ሓፋሻት ልዑል ምዃኑ ኣመልኪቶም፤ ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ብሄራዊ ረብሓታት ትኹረት ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም።
ብዙፋን ኣምባቸው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment