ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ መደመር ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ኣብ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ዓውዲታት ጭቡጣት ዓወታት ዘመዝገበ እንትኸውን፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰብ ተኮር ስራሕቲ ልምዓቱ ልዑል ለውጢ ኣምፂኡ ኢዩ።
መንግስቲ መደመር ኣብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ቱሪዝምን ኢንዱስትሪን ጭቡጣት ዓወታት ዘመዝገበ እንትኸውን፤ ኣብ ማሕበራዊ ዘፈር እውን ኣብ ሰብ ተኮር ስራሕቲ ኣንፀባረቕቲ ውፅኢታት ኣምፂኡ ኢዩ፡፡
ኣብ ዝሓፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ኢትዮጵያ ብኣምር መደመር ከም ሃገር ተኸታታሊ ዝበሃል ልምዓትን ዕቤት ኢኮኖሚን ክተመዝግብ ክኢላ ኢያ፡፡
እዚ ዕቤት ኩነታት ናብራ ሕብረተሰብ ኣብ ምምሕያሽ፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ዜጋታትን ተረባሕነት ጋህዲ ኣብ ምግባርን ከምኡ እውን ፍትሓዊ ተረባሕነት ኢኮኖሚ ምርግጋፅ ኣኽኢሉ ኢዩ፡፡
ኣብ ማሕበራዊ ዘፈር ትካላት ጥዕና ብምህናፅን ብምዝማንን ከምኡ እውን ልዕሊ 30 ሺሕ መዋእለ ህፃናት ብምህናፅ መሰረታዊ ጠለብ ዜጋታት ንምምላእ ትኹረት ተዋሂቡ ኢዩ።
ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ብሜካናይዜሽንን መስኖን ብምሕጋዝ ብዓመት ክልተን ሰለስተን ግዘ ምፍራይ ከምዝተኽኣለ መፍረያይነትን እቶትን ሓረስቶት ኣዚዩ አዕቢዩ ኢዩ።
ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ከም “መኣዲ ንሸገር፣ ንሃገርን ንትውልዲን” ዝበሉ ፕሮጀክታት ዘበናዊ ሪዞርታት ብምህናፅ ልምዓት ከባቢ ካብ ምቅልጣፉ ንላሊ፣ ንዜጋታት ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣርን እቶት ሃገር ኣብ ምዕባይን ወሳኒ እጃም ተፃዊቶም ኢዮም።
ብኣቤል ነዋይ