ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰንደቕ ዓላማን ሰራዊትን ካብ ቃል ክሳብ ህይወት መስዋአትነት ዝተተሓሓዘ ዝምድና ኣለዎም ኢሎም ጄ/ል ጌታቸው ጉዲና።
መበል 18 መዓልቲ ብሄራዊ ሰንደቕ ዓላማ ፥ “ሰንደቕ ዕላማና ንብስራት ዘበን ብራኸ ኢትዮጵያ፣ ብሄራዊ ሓድነትና፣ ሉኣላዊነትናን ህዳሰ ኢትዮጵያን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ላዕለዋይ መምርሒ ሚኒስቴር ምክልኻል ተኸቢሩ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝተረኸቡ ጄ/ል ጌታቸው ጉዲና፥ ሰንደቕ ዓላማን ሰራዊትን ካብ ቃል ክሳብ ህይወት መስዋአትነት ዝተተሓሓዘ ዝምድና ኣለዎም ኢሎም።
ብራኸ ብሄራዊ ሰንደቕ ዓላማ ምስ ሃገራዊ ክብሪን ማንነትን ብቐጥታ ከምዝዛመድ ብምግላፅ፥ ክብሪ ሃገር ዝረጋገፅ ብሄራዊ ረብሓ ብዝተማለአ መገዲ አንትሕሎ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ታሪካዊ ፀላእቲ ብዝኸኣልዎ ኩሉ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ብምፅራር ብተዘዋዋሪ ባንዳታት ውሽጢ ብምውዳብን ብምድጋፍን ምንቅስቓስ እንተገበሩ እወን ከንቱ ትምኒቶም መኺኑ ኢዩ ኢሎም።
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተነበረሉ ሃገራዊ ረብሓ ናይ ምርግጋፅ ኣጀንዳ ዕላዊ ንምግባር ብሰንደቕ ዓለማ ዝኣተዎ ቃል ክትግብር ከምዝግባእ ኣፅንኦት ምሃቦም ኦን ላይን ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።