ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰንደቕ ዕላማና ናይ ኩላትና ሓባራዊ ፅላል፣ ኣፈላላያትና ብፅባቐ ዘተኣሳስርን ንሓባራዊ ምርድዳእና ዓቢይ መራኸቢን እዩ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ።
መበል 19 መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ “ሰንደቕ ዕላማና ንሃገራዊ ምርድዳእን ንሓድነትናን” ብዝብል ቴማ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ይኽበር ኣሎ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣፈ ጉባኤ ኣሕመድ ሽዴ ከምዝገለፁዎ፤ ሰንደቕ ዕላማ ሉኣላዊነት፣ ናፅነት፣ ክብሪን ሓድነትን ሃገር ዝገልፅ ሓባራዊ ምልክት እዩ።
መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ እንትነኽብር፣ ንሃገርን ንወገንን ዝተኸፈለ መስዋእቲ ብምዝካር ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ንሃገሩ እንታይ መስዋእቲ ከም ዝኸፈለን እንታይ ከበርክት ከም ዘለዎን ክሓስብ ከምዝግባእ ኣብሪሆም።
መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ምኽባር ሃገር ምኽባር፣ ንሃገር ዝተኸፈለ መስዋእቲ ምዝካርን ንዝቕፅል ወለዶ እነሰጋግሮ ሓባራዊ ሓላፍነት ምርግጋፅን ማለት እዩ እውን ኢሎም።
ኢትዮጵያ መበገሲን በዓልቲ ብዙሓት ስልጣነታትን ምዃና ዝሓበሩ እቶም ኣፈ ጉባኤ፤ እዞም ክብሪታት ስልጣነ ተደሚሮም ንህንፀት ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ክውዕሉ ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም።
ንኢትዮጵያ ዝነበርና፣ ሕዚ ዘለናን ኣብ መፃኢ እውን ክንነብር እንኽእልን ባዕልና ኢና ዝበሉ ኣይተ ኣሕመድ፤ በዚ ምኽንያት እዚ እውን ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ደው ዝበለትን ኣብ ኩሉ መዳያት ሉኣላውነታ ዝተኸበረን ኢትዮጵያ ንምህናፅ ኩሉ ዜጋ ክለዓል ከምዘለዎ ገሊፆም።
ህዝብታት ኢትዮጵያ ንዘበናት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት፣ ባህሊታትን ኣነባብራን ዝነበሩ እኳ እንተኾኑ፤ ብሓባራዊ ታሪኽን ሓባራዊ ሃገርን ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም እውን ኣመልኪቶም።
ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ናይ ለውጢን ዕቤትን ጉዕዞ ከምትርከብ ዝሓበሩ ኣፈ ጉባኤ ኣሕመድ ሽዴ፤ እዚ ጉዕዞ ዘላቒን ውፅኢታዊን ንኽኸውን ጥንኩር ሃገራዊ ምርድዳእ ልዑል ሃገራዊ ሓድነትን ዜጋታት ምህናፅ ወሳኒ ምዃኑ ገሊፆም።
ብእመቤት ሲሳይ