ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዳይሬክተር ጀኔራል ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ሬድዋን ሑሴን ሱዳን ሰላማን ምርግጋዓን ንምርግጋፅ ንእትገብሮ ፃዕሪ ኢትዮጵያ ዘይናጋዕ ደገፋ ክትቅፅል ኢያ ኢሎም።
ብዳይሬክተር ጀኔራል ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንናይ ሱዳን ጄኔራል ኣብዱል ፈታህ ኣል ቡርሀን ኣቕሪቡ።
እቲ መልእኽቲ ኣንባሳደር ሬዲዋን ሑሴንን ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ኣብ ፖርት ሱዳን ኣቕሪቦም።
ኣብ ፖርት ሱዳን ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝተገበረሎም ዝገለፆ መራሒ እቲ ልኡኽ፥ ሱዳን ሰላማን ምርግጋዓን ንምርግጋፅ ንእትገብሮ ፃዕሪ ኢትዮጵያ ዘይናጋዕ ደገፋ ክትቅፅል ኢያ ክብሉ ብኣፅንኦት ገሊፆም።