ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሲንቄ ባንክ ኣገልግሎት ማስተር ካርድ ኣጀሚሩ።
እቲ ባንኪ ኣገልግሎት ብስፍሓት ንመሃብ ዘኽእል ስትራቴጂክ ስምምዕነት 5 ዓመት ምስ ትካል ማስተር ካርድ ተፈራሪሙ፡፡
ተበፃሕነትን ኣካታታይነትነ ፋይንስ ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ዲጂታል ኣማራፂታት ኣብ ምስፋሕ ልዐል ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝኾ ዝገለፀ ሲንቄ ባንከ÷ ምስ ማስተር ካርድ ዝተገበረ ስምምዕነት ናይዚ ኣካል ከምዝኾነ ሓቢሩ።
እቲ ስምምዕነት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሲንቄ ባንክን ማስተር ካርድን ኣብ ዝተረኸቡሉ ከምዝተፈረመ ሓበሬታ እቲ ባንኪ የመላኽት፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!