ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ማእኸል ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማም ኣፍሪካ (ሲዲሲ ኣፍሪካ) ኣብታ ኣህጉር ፍርያት ካትበትን መድሓኒትን ንምዕባይ ዝውዕል ሓገዝ 3 ነጥቢ 2 ቢሊየን ዶላር ዕላዊ ገይሩ፡፡
ኣብቲ ማእኸ መተሓባባሪ ኣፍረይቲ ውሽጢ ሃገር ኣይተ ኣበበ ጌተኑ ከምዝበሉዎ÷ እቲ 2 ቢሊየን ዶላር ካብ ኣፍሪኤግዚም ባንኪ ዝተረፈ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ዶላር ድማ ካብ ጥምረት ክታበታት ኣፍሪካ (ጋቪ ኣፍሪካ) ዝተረኸበ ኢዩ።
እቲ ሓገዝ ኩባንያታት ኣፍረየቲ ክታበትን መድሓኒትን መለክዒታት ትካል ጥዕና ዓለም ዘማልኡ ፍርያታት ከፍርዩ ንምግባር ከምኡ እውን ኣህጉራዊ ቀረብ መድሓኒትን ክታበትን ንምዕባይ ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም።
ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ሓገዝ ኣብ ኣፍሪካ ዘሎ ዋጋ መድሓኒትን ዕዳጋ ንምርግጋእ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ኣገንዚቦም ክብል ስፑትኒክ ፀብፂቡ።
ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ብዙሓት ኣገራት ኣፍሪካ ኣህጉራዊ ፀገማት ዝኾነ ሕፅረት ክታበትን መድሓኒትን ካብ ፅግዕተኝነት ወፃኢ ንምንጋፍ እናተሰርሑ ይርከቡ።
ብሚኪያስ ኣየለ