ሲዳማ ቡናን መቻልን ዓወት ቀኒዑወን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 16 ሰሙን መርሃ ግብሪ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ መሪሕ እቲ ሊግ ሲዳማ ቡና ንኢትዮጵያ ቡና 3 ን 0 ስዒራ፡፡

ቀትሪ ሰዓት 10 ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ሲዳማ ቡና ዝተዓወተትለን ሸቶታት ብለስ ናጎ፣ ዮሴፍ ዮሃንስን ፍራኦል መንግስቱን ኣመዝጊቦምወን።

ብኻሊእ መዳይ መቻል ንቅዱስ ጊዮርጊስ 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት እንትትስዕር ክልቲአነ ናይ መቻል ሸቶታት ፈቱዲን ጀማል ኣመዝጊቡወን።

ቅድም ክብል ኣብ ዝተገበረ ፀወታ እቲ ሊግ ኢትዮጵያ መድንን ድሬዳዋ ከተማን ብዘይ ሸቶ ማዕረ ተፈላሊየን፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment