ሲዳማ ቡና ንወላይታ ድቻ ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 30 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሲዳማ ቡና ንወላይታ ድቻ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ፡፡

ሲዳማ ቡናን ዝተዓወተትላ ብሕታዊት ሸቶ ማይክል ኪፕሩቪል ቅድሚ ዕረፍቲ ኣመዝጊቡዋ፡፡

ሲዳማ ቡና ተኸታታሊ ካልኣይ ዓወታ እንትተመዝግብ፤ ወላይታ ድቻ ብግደኣ ካልኣይ ተኸታታሊ ስዕረት ኣተኣናጊዳ፡፡

እቲ ውፅኢት ስዒቡ ሲዳማ ቡና ብ43 ነጥቢ ኣብ 4ይ ደረጃ እንትትቅመጥ ወላይታ ድቻ ብ41 ነጥቢ ኣብ 7ይ ደረጃ ትርከብ፡፡

መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ እንትቕፅል ምሸት ሰዓት 12 ሃዋሳ ከተማን ቅዱስ ጊዮርጊስን ፀወተአን ከካይዳ ኢየን፡፡

Comments (0)
Add Comment