ሲዳማ ቡና ንፈለማ እዋን ፅዋዕ ሻምፒዮን ኢትዮጵያ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሲዳማ ቡና ንወላይታ ዲቻ ብምስዓር 2017 ፅዋዕ ሻምፒዮን ኢትዮጵያ ምዃና ኣረጋጊፃ።

ሎሚ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ፀወታ ሲዳማ ቡና ንወላይታ ዲቻ 2 ን 1 ስዒራ።

ሽቶታት ሲዳማ ቡና ብሃብታሙ ታደሰን መስፍን ታፈሰን ዘቑፀሩ እንትኾን፤ ንወላይታ ዲቻ ብሕታዊት ሸቶ ዘመዝገባ ካርሎስ ዳምጠው እዩ።

ሲዳማ ቡና በዓል ዋና ፅዋዕ ምዃኑ ስዒቡ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ኣብ ፅዋዕ ኮንፌዴሬሽን ኣፍሪካ ተሳታፊ ምዃና ኣረጋጊፃ።

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

Website www.fanamc.com/tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana

 

Comments (0)
Add Comment