ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ስልጠነኦም ዛዚሞም ናብ ወፍሪ ቀጠና ዝተመደቡ ኣባላት ሰራዊት ዋና መተሓባበሪ ዝተዋደደ ኮማንድ ፖስት ግብረ ሓይሊ መተከል ሌተናል ጄኔራል ኣስራት ዴኔሮን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝን ኣቀባብላ ተገይሩሎም።
ሌተናል ጄኔራል አስራት ዴኔሮ፥ ካብ ፍቕሪ ስደድራ፣ ካብ ዝሞቐ ጎጀኦም ወፂኦም ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ንምድምሳስ ኣድላዪ ወታደራዊ ስልጠና ብምዝዛም ህልውና ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰን ንምሕላው ብምውፋሮም ኩርዓት ከምዝተሰመዖም ገሊፆም።
መሰረታዊ ወታደር ኣቡሽ ዳኘየን መሰረታዊ ወታደር ኣብርሃም ታምራትን ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ፥ ዝተገበረሎም ኣቀባብላ ሓጎስ ከምዝፈጠረሎም ገሊፆም።
ኣብ ሃገሮም ዝፍኖ መጥቃዕቲ ንምምካት ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ክሳብ ህይወት መስዋእትነት ንምኽፋል ድሉዋት ከምዝኾኑ ምርግጋፆም ካብ ፌስ ቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።