ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ክሳለጥ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 48 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፀሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ክሳለጥ እዩ፡፡
ኣብ “ምርግጋፅ ዘላቒ ቀረብን ፅሬትን ማይ፣ ምዕዋት ሸቶታት ኣጀንዳ 2063” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ኣኼባ ዝሳተፉ ሚኒስተራት ጉዳያት ወፃኢ ሃገራት ኣፍሪካ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይኣትዉ ኣለዉ።
በዙይ እውን ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ሶማሊያ፣ ሴራሊዮን፣ ሳህራዊ ዓረብ ዲሞክራቲክን ሪፓብሊክን ሞሪታንያን ሎሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።
ከምኡ እውን ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ናይጀርያ፣ ማላዊ፣ ኮትዲቫር፣ ብሩንዲ፣ ሪፓብሊክ ኮንጎን ዛምብያን ትማሊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተዉ ይፍለጥ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment