ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ስራሕቲ ኤርጎኖሚክስ ዋና ቤት ፅሕፈት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ህንፀት ትካል ራኢን ስነ ምግባርን እንትራኸቡ ክፍጠር ዝኽእን ዝላ ዘርአየ ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዋና ቤት ፅሕፈት ኢንስቲትዩት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ቀዲሙ ካብ ዝነበሮ ብምልዋጥ ናብ ነበር ህንፃ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ዘዘዋወረሉ ኩነታ ተዓዚቦም።
ኣብቲ እዋን ድማ እቲ ኢንስቲትዩት ዝገበሮ ስራሕቲ ምሕዳስ እቲ ቤት ፅሕፈት ንኢትዮጵያ ብልዑል ብርኪ ዓይኒ ዝገልፅን ሓዱሽ ኣረኣእያን ዘርኢ ንስራሕ ምቹው ዝኾነ መናእሰይ ነዊሕ ሰዓር ክሰርሑ ዝኽእሉሉ ትካልን ቦታን ኮይኑ ኢሎም።
ኢንስቲቲዩት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ከም መልክዕ ትካል እንትምስረት ብዙሓት ዝጠለቡዎ ሓሳብ ከምዘይነበረ፤ ይኁን እምበር ወዲ ሰብ ዝሓስበሉ መገዲን ይከኣል ኢዩ ዝብል ሓሳብ ዝሪአሉ መገዲ እናሓንፀፀ ምምፅኡ ተዛሪቦም።
ቅድሚ ሕዚ ሓዱሽ ፍልጠት፣ ሓዱሽ ልምምድን ሓዱሽ ፈጠራን እንትፍጠር እዚ ንምፍላጥ ንምትካል ዝነበሮ ሃንቀውታ፣ ድልዉነትን ሓሳብን ውሑድ ዝስዝለነበረ ፅቡቓት ተኸተልቲ ክንከውን ኣይከኣልናን ኢሎም፡፡
ሕዚ ግን ኩነታት ከምዝተለወጡ ብምሕባር÷ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ብብርኪ ኣፍሪካ ክወዳደር ዝኽእል ኣሰራርሓ ዝኽተል ትካል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
በዚ ድማ እቲ ትካል ብዙሓት ፍርያታት ብምፍራይ ብፍላ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ፍላይ መንሽሮ ቱብ ልዑል ውፅኢት ከምዘምፀአን እዚ ድማ ኣብቲ ዓውዲ ብፈላጣት ተቐባልነት ዝረኸበን ብብርኪ ዓለም ጆርናል ዝወፅአ ኣፍልጦ ዝረኸበ ፍርያት ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ድማ ሕማም ዘርኢ ቡንን ካልኦት ዝራእቲን ንምፍላይ ዘኽእል መሳርሒ ከፍሪ ከምዝኸኣለ ብምሕባር÷ መፍረያይነት ንምዕባይ ዘኽእሉ ብዙሓት ዓቅሚታት ብብርኪ ፍርያት ከምዝተሃነፁ ኣብሪሆም።
ብድማሱ ኣራጋው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!