ስራሕቲ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ንምዐእዋት ግደ መሓዚት ኣካላት ልዑል ኢዩ – መስፍን ኣርዓያ (ፕ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)ስራሕቲ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ንምዐእዋት ግደ መሓዚት ኣካላት ልዑል ኢዩ ኢሎም።

እቲ ኮሚሽን ክሳብ ሕዚ ብዝወገኖም ተግባራት ግደ መሓዙት ኣካላት ዝገምገመሉን ኣብ ቀፃሊ ዝስርሑ ስራሕቲን ርክቡ ዘጠናኽረሉ መድረኽ ዘተ ኣካይዱ።

መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር) መሓዙት ኣካላት ናይ ወረዳ ተሳተፍቲ ካብ ምፍላይ ጀሚሩ ብሓፈሻ ንዓወት ስራሕ እቲ ኮሚሽን ልዑል እጃም ከምዝነበሮም ኣልዒሎም።

ኣብቲ መድረኽ ሓፈሻዊ ስራሕቲ እቲ ኮሚሽን ዝምልከት ገለፃ ዝገበሩ ኮሚሽነር ኣምባዬ ኦጋቶ (ዶ/ር)÷ መሓዙት ኣካላት ኣብ ዝተረፉ ተግባራት እቲ ኮሚሽን ምትሕብባሮም ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ሓቲቶም።

ምስ መሓዙት ኣካላት ዝግበር ቀዋሚ መድረኽ ዘተ ዘይምዝርጋሕን ስርዓት ልውውጥ ሓበሬታ ቀፃሊ ዘይምዃን ኣብቲ እዋን ዘተ ከም ክፍተት ተላዒሉ።

በዚ ድማ ኣብ ቀፃሊ ክፍተታት ብምእራም ዝተዋደደ ስራሕ ምስራሕ ዘኽእል ካብቲ ኮሚሽንን መሓዙት ኣካላትን ዝተውፃእፀአ መተሓባበሪ ጉጅለ ተጣይሹ።

ምክትል ዋና ኮሚሽነር ሂሩት ገብረሽላሴ፤ እቲ ጉጅለ ኣብ ቀፃሊ ካብ ክልል ትግራይን ማሕበረሰብ ዳያስፖራን ኣጀንዳ ንምእካብ ኣብ ዝስራሕ ስራሕን ኣብ ዋና ከይዲ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተን ምስቲ ኮሚሽን ብቕርበት ክስራሕ ምግንዛቦም ኣቐባሊ ቃል እቲ ኮሚሽን ኣይተ ጥበቡ ታደሰ ንፋና ዲጂታል ገሊፆም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment