ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ስርዓተ ቀብሪ ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ ኣብ መንበረ ፀባኦት ቅድስት ስላሴ ካቴድራል ተፈፂሙ።
ኣብቲ ስርዓተ ቀብሪ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ስድርኡ፣ ናይ ኪነ ጥበብ መሓዝቱን ደገፍቱን ተረኺቦም።
ብሰንኪ ዘጋጠሞ ሕማም 8 ጥሪ 2018 ዓ.ም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈለየ ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ፥ ብኣቕራብነትን ኣሰናዳኢነትን ፕሮግራም ቴሌቪዥን፣ ብፊልም ደራሲነትን ኣሰናዳእነትን፣ ብተዋሳኣይነትን ካልኦት ስራሕቲ ጥበብን ልዑል ናእዳን ተፈላጥነትን ዘትረፈ ኢዩ።
ኩለ መዳይ ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ ንብዙሓት ዓመታት ኣብ ኢቢኤስ ቴሌቪዥን ዘመሓላልፎ ናይ ቤተ ሰብ ፀወታ ፕሮግራም ኣሰናዳኢን ኣቕራቢን ብምዃን የገልግል ነይሩ።
ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ ብስራሕቲ ፊልምን ቴኣትርን ኣዝዩ ተፈታዊ ዝነበረ እንትኸውን፥ ብሲቲ ቦይዝ፣ ሳልነግራት፣ ያንቺው ሌባ 2፣ ኤፍቢኣይ፣ ሚስተር ኤክስ፣ ቾምቤን ካልኦት ስራሕቲን ዝነኣድ ብቕዓቱ ኣርኢዩ ኢዩ።
ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑትን ነይሩ።