ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ስርዓት ምዝገባን ሓለዋን እምሮኣዊ ንብረት ንምዕባይ ብትኹረት እናተሰርሐ ከመዝርከብ በዓል መዚ እምሮኣዊ ንብረት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡
ፈፃ ስራሕ ርክብ ህዝቢን ኮሙኒኬሽንን እቲ በዓል መዚ ኣይተ ኤሊያስ መሃመድ ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ ምዝገባ እምሮኣዊ ንብረት ስራሕቲ ፈጠራ ንምብርትታዕ ልዑል ግደ ዝፃወት ኢዩ፡፡
ነዚ ድማ ቁፅሪ ምዝገባን ሓለዋን እምሮኣዊ ንብረት ንምዕባይን ተበፃሕነቱ ንምስፋሕን ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም፡፡
ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ልዕሊ 7 ሺሕ ንዝኾኑ ስራሕቲ ፈጠራ ሓለዋን ምዝገባን እምሮኣዊ ንብረት ከምዝተወገነ ኣብሪሆም፡፡
እቲ ስራሕቲ ምዝገባ ኣብ ሓለዋ ፓተንት፣ ብምልክት ንግዲ፣ ቅዳሕን ተዛመድቲ መሰላትን ዘድሀበ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ስራሕቲ ፈጠራ ኣብ ምምዝጋብ ሕፅረት ግንዛቤ ከምዘሎ ብምሕባር÷ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ብምትሕብባር እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ስራሕቲ ምምሕያሽ ሕጊ እናተወገነ ከምዝርከብ ዝገለፁ ኣይተ ኤሊያስ÷ ኣብቲ ዓውዲ ዓለም ለኸ ስምምዕነታት ከምዝተፈረሙ ኣልዒሎም፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!