ስርዓት ሸርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ክምራሕ ምግባሩ ካብ ባንኪ ወፃእ ዝለኣኽ ገንዘብ የትርፍ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ፍፁም ኣረጋ ስርዓት ሸርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ክምራሕ ምግባሩ መብዛሕትኡ ሸርፊ ወፃኢ ብባንኪታት ኣቢሉ ንኽለኣኽ ኣኽኢሉ ኢዩ ኢሉ።

ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ንፈለማ እዋን ካብ ሬሚታንስ ልዕሊ ሸውዓተ ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ምርካባ እውን ገሊፆም።

እዚ ድማ ኣብ መዛዘሚ 2016 ዓ.ም መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ናብ ተግባር ብምእታዉ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ስርዓት ሸርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ክምራሕ ምግባሩ ካብ ባንኪ ወፃእ ዝለኣኽ ገንዘብ ብምንካይ መብዛሕትኡ ብባንኪታት ኣቢሉ ክለኣኽ ገይሩ ኢዩ ኢሎም።

ብመንፅር ዘሎ ዓቕሚ ልዕዚ እዚ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ብምግላፅ፤ በዚ ድማ ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ሸሞንተ ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ንምርካብ ከምዝተሓሰበ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንሬሚታንስ መልአኺ ተባሂሉ ዳያስፖራ ዝኸፍሎ ዝነበረ ክፍሊት ባንኪታት ብምሽፋን መበረታትዒ እናገበሩ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣመባሳደር ፍፁም፤ ዳያስፖራ ውሕስና ዝወሃቦ ሕጋዊ መልአኺ ኣማራፂ ንኽጥቀም ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ዳያስፓራ https://www.unite.et/ ብዝተብሃለ ኣማራፂ ብመንግስቲን ውልቀ ባንኪታትን ሸርፊ ወፃኢ ሒሳብ ቁፅሪ ብምኽፋት ገንዘብ ምምሕልላፍ ስለዝተጀመረ ኣካውንት ንምኽፋት ዝነበረ ናይ ወረቐት ኣሰራርሓ ክተርፍ ብምግባር ልዑል ለውጢ ምምፅ ሓቢሮም።

Comments (0)
Add Comment