”ስርዓት ዕርቂ እንደርታ”

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዕርቂ እንደርታ ካፍቶም ብጣዕሚ ብርክት ልበሉ ስርዓተ ክብርታት ማሕበረሰብ 70 እንደርታ ሓደ እዩ።
ዕርቂ እንደርታ መማረፂ ኣልቦ ዘላቂ ሰላም፥ ስርዓት ፍትሒ እዩ።
ልምስምማዕ፥ ልምምኽኻር፥ ልሰላም ምንም ዓይነት ቅድመ ኹነት ለየቕምጥ ኹሉ ዓይነት ለይምስምማዕ ክሰማምዕ ለኽእል ልዘመናት ልዘለቐ፥ ክሻዕ ኸዚ ለገልግል ሰፊሕ፥ ዓሚቕ ስርዓት እዩ።
ዕርቂ እንደርታ መቦቆሉ፥ መልዐሊኡ ካብ ማሕበረሰብ 70 እንደርታ ዋላ ተኾነ፤ ወሰን ለይብሉ ገረብ ተሻጋሪ፤ ኣብ ሰፊሕ ክፍሊ ሃገርና ልፍለጥ፤ ለገልግል ስርዓት እዩ ክብል ፀሓፊ፥ መራማሪ፥ ተሸላሚ ዕርቂ እንደርታ በዓል ጋዳ መለስ ሰለሞን ምስ መሶብ ፋና ትግርኛ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ገሊፁ።
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ካብ ለለዉ ባህላዊ ስነ ስርዓት ዕርቅይ ፍትሕይ እዩ ቡሉፅ፥ ሰፊሕ ትሕዝቶ፥ ሰፊሕ ተጠቃሚነት ለለዎ ትካል እዩ ምባል ይከኣል ኢሉ።
ባህላዊ ስነ ስርዓት ዕርቂ ዋና መልዐሊ ዘመናዊ ሕጊ፤ ስርዓት ፍትሒ ምዃኑ መረጋገፂ ይጠቐስ ተልበሃል ዕርቂ እንደርታ ኣቐዲሙ ልጥቀስ ጥንታዊ ስርዓት ፍትሕይ ዕርቅይ እዩ ክብል ኣብሪሁ።
ዕርቂ እንደርታ መፍትሒ ዘላቒ ሰላም፤ ወሰን ለይብሉ ስርዓት ምዃኑ ብመረዳእታ ልምቕራብ፤ ኣብ 1934 ዓ.ም ስሩዕ ኣዋጅ ልተጀመረሉ ብምባል፥ መሳሲ ገነያ (ዋዕላ) ልተፈፀመሉ ገረብ ደልገና ዓዲ ወዶ ታሪክ ገላፂ እዩ ኢሉ።
ገረብ ደልገና ኣብ ሞንጎ ተጋሩይ ኣሕዋት ዓፋርይ ልፀነሐ ባህላዊ ወራር ጋዝ ብዕርቅይ ብስምምዕይ ልሓደሻዕይ ልሓዋሩይ ሕሩም ክበሃል ልተገበረሉ ዓብይ ውፅኢታዊ ተግባር ስርዓት ዕርቂ እንደርታ እዩ።
‘’ሳላ ዕርቂ እንደርታ ገዲም የለይ ሓንታ’’፤ ‘’ሳላ ዕርቂ እንደርታ ብሰብ የለይ ሓንታ’’ ተባሂሉ ህዝቢ ዓፋር ምስ ተጋሩ ብሰላም፥ ብምትሕስሳብ፥ ብምትሕብባር ክነብሩ ልገበረ ውፅኢታዊ ስርዓት እዩ።
ኻሊእ ዕርቂ እንደርታ ብጣዕሚ ተኣማኒ፥ ተደላይ፥ ፍትሓዊ ብምዃኑ ሃም ናይ መወዳእታ ስርዓት ፍትሒ ኾይኑ ከገልግል ፀኒሑ እዩ ክብል ኣብሪሁ።
ፉሉያት መግለፂታት ዕርቂ እንደርታ ካብ ልኾኑ ልምግላፅ
1) ካብ እንደርታ ወፃኢ ሰፊሕ ከባቢ ማሕበረሰብ ለገልግል፤
2) ብተብተብ፥ ብድፈን ድፈን ወይ ብሕደግ ሕደግ ለይኾነስ በዳሊ፥ ተበዳሊ ኣፃርዩ፥ ኣረጋጊፁ፤ በዳሊ በደሉ ኣሚኑ፥ ተፀፂቱ ምዃኑ ምስ ተረጋገፀ ልፍፀም ምዃኑ፤
3) ካብ ልተበኣሱ ሰባት ምዕራቅ ወፃኢ ኣብ ሰፊሕ ማሕበራዊ፥ ስነ ምምሕዳራዊ፥ ኣብ ፍትሒ፥ ኣብ ሰላም ልሰርሕ ሰፊሕ ስርዓት ምዃኑ ወዘተ እዩ ኢሉ።
ካብ ብሂላት ዕርቂ እንደርታ
1. “ዕርቂ ለይቓሪ
ብዓበይቲ እንደርታ ገረብ ተሻጋሪ”
2. ”ድሕሪ ዕርቂ እንደርታ
ላብ ላዕለዋይ ጎይታ’’ ይበሃል
3. “ኣብ ዕርቀ ሰነያ
ኹሉ ዕርያ”
4. “ድሕሪ ዕርቂ እንደርታ
የለይ ቅሬታ”
5. ”ዕርቂ እንደርታ
ልኽልተ’’
6. “ኣብ ዕርቂ 70 እንደርታ
የለይ ጎይታ” ወዘተ ልብሉ ልፀንሑ ብሂላት ምጥቓስ ይካኣል።
ዕርቂ እንደርታ ብልተፈላለዩ ምኽንያታት ትኹረት ለይተውሃቦ ሃፍተ ገነት ማሕበረሰብ፥ ዓዲ፥ ሀገር ካብ ልኾኑ ሰፋሕቲ ስርዓታት መስርሕ ዘላቒ ሰላም ምዃኑ ይፍለጥ።
ስለዚ እዚ ብሉፅ፥ ሰፊሕ ባህላዊ ስርዓት ካብ ሀገር ሓሊፉ ማሕበረሰብ ዓለም ልክፈልጦ ኣብ ለይድህሰሱ ሓድግታት ክሰፍር፤ ብስርዓት ክስነድ፥ ክሰፍሕ ላብ ወለዶ ክመሓላለፍ ልምግባር፤ ህዝቢ፥ መንግስቲ፥ የኒቨርሲቲ፥ ባህልይ ቱሪዝምይ፤ ሙሁራት ብትኹረት ክስረሓሉ ይግባእ ክብል ገሊፁ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታታት ንምርካብ
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment