ስርዓት ዲጂታል ፋይናንስ ንምጥንኻር ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ስርዓት ዲጂታል ፋይናንስ ንኹሉ ዜጋ ተበፃሒ ንምግባር ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ማሞ ምሕረቱ።

3ይ ጉባኤ ፍልጠት “ፈጠራ ሰብ ስራሕ ብልሒ ብምጥቃም ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ሓዱሽ ዕዳጋን መርኣያታትን ምክፋት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ኣይተ ማሞ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ስርዓት ፋይናንስ ናብ ዲጂታል ብምቕያር ኩሉ ዜጋ ቀረብ ፋይናንስ ክረክብ ብምውዳድ እናተሰርሐ እዩ፡፡

ሰብ ስራሕ ብልሒ ሓበሬታ ንምውዳብን ስርዓት ዲጂታል ፋይናንስ ዘተኣማምን ንምግባር ዘኽእል እዩ ኢሎም፡፡

ኣብቲ ዓወዲ ዘሎ ዓቕሚ ዲጂታል ፋይናንስ ብምዕባይ ንዜጋታት ብቅልጡፍን ተኣማኒን ቀረብ ፋይናንስ ተበፃሒ ንምግባር እናተሰርሐ ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡

ኢትዮጵያ ትተግብሮ ዘላ ዝተፈላለዩ ፖሊሲታት ንዕብየት ዲጂታል ፋይናንስ ዓብዪ በሪ ዝኸፈቱ እዮም ዝበሉ ድማ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ክፍሊት ፋይናንሻል ቴክኖሎጂ ሙኒር ዱሪ እዮም።

ብዘመን በየነ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment