ስርዓት ፍትሐ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ምውዳድ ኣፈፀምቲ ትካላት እቲ ዓውዲ ወሳኒ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ቴዎድሮስ ምህረት ስርዓት ፍትሐ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ምውዳድ ኣፈፀምቲ ትካላት እቲ ዓውዲ ወሳኒ ከምዝኾነ ገሊፆም።

መበል 19 ሓበራዊ ጉባኤ ኮሚሽነሮች ኣቢያተ ህንፀት ፌዴራልን ክልልን “ኣቢያተ ህንፀት ብሓዱሽ ኣተሓሳስባ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ቢሾፍቱ ይካየድ ኣሎ።

ኣይተ ቴዎድሮስ ምህረት ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ስርዓት ፍትሒ ዘለዉዎ ፀገማት ምፍታሕ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ከምዝደሊ ኣገንዚቦም።

ተካላት ምውዳደን ብምጥንኻር ተግባራተን ክውግና ከምዝግባእ እውን ፀሪሖም።

እዚ ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ንምግባር ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ተሳትፎኦም ንኸጠናኽሩ ሓቲቶም።

ሚኒስትር ደኤታ ፍትሒ ኡሙድ ኡጁሉ ብግደኦም ዘፈር ፍትሒ ብመንግስቲ ትኹረት ዝተውሃቦ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ ኣቢያተ ህንፀት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ከምዝተመሓየሸ ኣብሪሆም።

ተሃነፅቲ ኣሪምካል ሃኒፅካን ሰናይ ዜጋ ገይርካ ንምውፃእ ብስፍሓት ዝተሰርሐ ይኹን እምበር ዝተርፉ ስራሕቲ ከምዘለዉ ገሊፆም።

ብምዃኑ ድማ ትካላት ኣፈፀምቲ ፍትሒ ብዝበለፀ ተዋዲዶም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብሲሳይ ወርቁ

Comments (0)
Add Comment