ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ህንፀት ዘላቒ ሰላም ጋህዲ ንምግባር ኣብ መናእሰይ ብትኹረት ምስራሕ ይግባእ ኢሉ ሚኒስቴር ሰላም፡፡
ኣብ መበል 14 ዙር ስልጠና ‘ሰናይ ምግባር ንሕብረት’ ዝወሰዱ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ መናእሰይ ስነ ስርዓት ምረቓ ኣብ ከተማ ጅማ ተኻይዱ።
ኣብ ሚኒስቴር ሰላም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣመራርሓ መብራቱ ካሳ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ስልጠና ሰናይ ምግባር ንሕብረት ሰናይ ምግባር መናእሰይ ብምህናፅ ብፍቕሪ ሃገር ንኸህነፁ ምቹው ኩነታት ፈጢሩ ኢዩ።
ቅድሚ ሕዚ ልዕሊ 60 ሺሕ መናእሰይ ስልጠና ከምዝወሰዱ ብምግላፅ÷ እዚ ድማ ስብእና መናእሰይ ኣብ ምህናፅ ሃገራዊ ለውጢ ንኽምዝገብ ዕዙዝ ግደ ተፃዊቱ ኢሎም።
ህንፀት ሰላም ንምዕዋት ኣብ መናእሰይ ብትኹረት ምስራሕ ይግባእ ዝበሉ ኣይተ መብራቱ÷ መናእሰይ ኣብ ዝተመደቡሉ ከባቢ ኣምባሳደር ሰላም ብምዃንን ኣብ ሰናይ ተግባር ፅዕንቶ ክፈጥሩ ከምዝኸኣሉ ፀሪኾም።
ብኣቤንኤዘር ታየ