ስታትስቲክስ ንጥንኩር ፖሊሲ ዓንዲ ሑቐ ኢዩ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ስታትስቲክስ ሓበሬታ መሰረት ንዝገበረ ጥንኩር ፖሊሲ ዓንዲ ሑቐ ኢዩ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።

መበል ‎‎19 ዓመታዊ ኣኼባ ኮሚቴ ዳይሬክቶሬት ጀነራል ብኤራዊ ስታትስቲክስ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ‘ፍትሒን ካሳን ንኣፍሪካውያንን ዘርኣ ኣፍሪካን’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ይርከብ።

‎‎እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ኣኼባ ከምዝበሉዎ፥ ‎ኢትዮጵያ ሓንፂፃ ናብ ትግበራ ዘእተወቶም ሸቶታት ልምዓትን ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚን ተኣማኒ ሓበሬታ ይደልዩ ኢሎም።‎

ተኣማኒ ስታትስቲክስን ልምዓትን ተነፃፂሎም ከምዘይረኣዩ ብምሕባር፥ ‎ስታትስቲክስ ሓበሬታ መሰረት ንዝገበረ ጥንኩር ፖሊሲን ስትራቴጂን ዓንዲ ሑቐ ኢዩ ኢሎም።

እቶም ትልሚታት ኣብ ሸቶ ንምብፃሕ ዓውዲ ስታትስቲክስ ብሪፎርም ከምዝሓለፈ ብምግላፅ፤ እቲ ዓውዲ ብቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ኢትዮጵያ ጥንኩር ስራሕ ከምዝሰርሐት ኣመልኪቶም።

ሓቀኛ ሓበሬታ ስታትስቲክስ ከም ሃገር ይኹን ከም ኣህጉር ኣበይ ከምዘለና ናይምርኣይ ዓቕሚ ኣለዎ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ እቲ ዓውዲ ማእኸል ንዝገበሩ ኣጉራዊ ትግበራታት ቆራፅ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም።

‎‎‎ብወንድሙ ኣዱኛ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment