ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ስትራቴጂ ልምዓት መንግስቲ ብምስዓብ ውልቀ ሴክተራት ብልዑል ቅልጣፈን ተለዓዓነትን ብሓባር እናተሰርሐ ይርከብ ኢለን ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፀን ኣብ ዘሕለፍኦ መልእኽቲ፤ ውቁብን ፅቡቕን ተገይሩ ብ1 ነጥቢ3 ሄክታር መሬት ሜድሮክ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ብዝሃነፆ ብሳዕሪ ቤት ዝተሰርሐ ትማሊ ስራሕ ምጅማሩ ገሊፀን።
ኣብ ከተማና ነካይዶ ዘለና ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት ንሰብኣውነት ክብርን ተረባሕነትን ዝህቡ፣ ፀቕጢ መነባብሮ ዝቕንሱ ከምኡ እውን ማሕበራዊ ርክብ ነበርቲ ከተማና ምትእስሳሮም ዘጠናኽርሎም እዮም ኢለን፡፡
ሚድሮክ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ካብ ናይ ባዕሉ ውልቀ ንብረት 1ነጥቢ3 ሄክታር መሬት ብምምዳብ ንህዝባዊ ጥቕሚ ከምዝቐርብ ብምሕባር፤ እዚ ሓድሽ ሓሳብን ዓብዩ ለውጢ ምዃኑ አረዲኤን።