ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ውፅኢታዊ ስርዓት ምሕደራ ሓበሬታ ክህልው ክግበር እዩ – ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ስትራተጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ውፅኢታዊ ዝኾነ ስርዓት ምሕደራ ሓበሬታ ክህልው ክግበር እዩ ኢሎም ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር)፡፡
ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 መዛዘሚን ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025ን ዕላዊ ኣብ ስነ ስርዓት መጀመሪ መርሃ ግብሪ ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር) ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ትልሚ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ንምዕዋት ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ተግባራዊ ክኾን እዩ ኢሎም።
እቲ ትልሚ ንኹሉ ዝሓቁፍ ልምዓት ቴክኖሎጂ ንምርግጋፅ ወሳኒ ምዃኑ ሓቢሮም፤ እቲ ትልሚ ጋህዲ ንምግባር ድማ ነቲ ዓውዲ ክቕይሩ ዝኽእሉ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ተግባራዊ ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Facebook FBC Tigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment