ስትሮክ ፋውንዴሽን ማእኸል ሕክምና ክህነፅ ደገፍ ክግበር እዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ስትሮክ ፋውንዴሽን ማእኸል ሕክምና ክህነፅ ደገፍ ክግበር እዩ ኢለን፡፡

እቲ ፋውንዴሽን ዝተማልአ ማእከል ሕክምና ንምህናፅ ድሌት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

እተን ከንቲባ እቲ ፋውንዴሽን ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቁፅሪ ስትሮክ ንዘርኣዩ ተለዓዓልነትን ምስጋናን ኣቕሪበን፡፡

እቲ ማእኸል ተዛዚሙ ናብ ስራሕ ምስ ኣተወ ድማ ካብ ሃገር ወፂኦም ንዘይሕከሙ ሕሙማትን ስድራን ዓብዪ ረድኤት ክህብ እዩ ኢለን።

ስትሮክ ንምክልኻል ነበርቲ እታ ከተማ ስፖርታዊ ንጥፈታት ክዋፈሩ እተን ከንቲባ ፃውዒት ምግባረን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ጁንዲ ንፋና ዲጂታል ገሊፀን፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

Comments (0)
Add Comment