ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መበል 1ሺሕን 447 ስነ-ስርዓት ሶላት ዒድ ኣል ፈጥር ብድምቀትን ተኸቢሩ ተዛዚሙ ኢሉ ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ።
እቲ መምርሒ ከምዘፍለጦ፤ ስነ-ስርዓት ሶላት ብዓወት ንኽዛዘም ኣካላት ፀጥታ ትልሚ ብምውፃእ ናብ ተግባር ምእታዎም ኣዘኻኺሮም።
እቲ መምርሒ ምስ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስላማዊ ኣዲስ ኣበባን ብምትሕብባር ብምስራሕ ዕዉት ስግደት ሶላት ዒድን ካልኦት ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓትን ብድምቐት ክኻየድ ምኽኣሉ ኣፍሊጡ፡፡
ብተወሳኺ ሰላምን ድሕንነትን እታ ከተማ ንምሕላው ኣብ ዝካየድ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዘለዎ ኣበርክቶ ብቐፃልነት ክጠናኸር ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!