ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ካብ ሞንጎ ጎበዝ ኣጥቃዕቲ ተፃዋታይ ኢትዮጵያ ዝኾነ ሙሉጌታ ከበደ ሰነ ስርዓት ቀብሪ ኣብ ኮልፌ ዝርከብ መካነ መቓብር ሙስሊም ተፈፂሙ።
ሎሚ ንጉሆ ኣብ ስታድየም ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ ኣስክሬን ስኒት ድሕሪ ምክያዱ ስድርኡ፣ ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ተወከልቲ ክለባትን ኣብ ዝተረኽብሉ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተፈፂሙ።
ነበር ኮኾብ ብሄራዊ ጋንታ ኢትዮጵያ ሓደ ካብ ኣጥቃዕቲን ዝተብሃለ ሙሉጌታ ከበደ ብዘጋጠሞ ሕማም ሕክምና ክግበረሉ ድሕሪ ምፅናሕ ትማሊ ካብዛ ዓለም ብሞት ምፍላዩ ይዝከር።
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!