ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 80 ዓመቶም ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈለዩ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ ስነ ስርዓት ቀብሮም ተፈፂሙ፡፡
ኣስከሬን ራይላ ኦዲንጋ፤ ፕሬዚዳንት ታየ ኣፅቀ ስላሴ ሓዊሱ ብዙሓት መራሕቲን ዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ናይ ክብሪ ምፍናው ተገይሩሎም።
ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኬንያውያን እውን ኣብቲ ስታዲየም ተረኺቦም ንነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ራይላ ኦዲንጋ ዘለዎም ክብሪን ናእዳን ብምርኣይ ብሕልፈቶም ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም፡፡
ፈተውቲን ኣዝማድን ከምኡ እውን ብዙሓት ኬንያውያን ምስሊ ራይላ ኦዲንጋ ዝሓዘ ቲ ሸርት ብምኽዳን ሰንደቕ ዕላማ ኬንያ ሐዞም ናብ ኣደባባይ ወፂኦም፡፡
ስነ ስርዓት ምፍናው ኣስከሬን ምስተሳለጠ ስነ ስርዓት ቀብሮም ከምዝተፈመ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!