ስነ ስርዓት በዓል ዒድ ኣል ፈጥር ሶላት ብብርኪ ሃገር ብድምቐት ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 1ሺሕን 447 ስነ-ስርዓት በዓል ዒድ ኣል ፈጥር ሶላት ብብርኪ ሃገር ብድምቀት ተካይዱ ኢሉ ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ።
እቲ ትካል ከምዘፍለጦ ፤ ሶላት ዒድን ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓትን ብዓወት ንምዝዛም ብዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዝተሓገዙ ብርክት ዝበሉ ሓይሊ ሰብ ብምውፋር ስራሕቲ ፀጥታ ብምክያድ ሓላፍነቱ ብግቡእ ተዋፂኡ።
እቲ በዓል ካብ ድርኡ ኣትሒዙ ብዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተጠናኸረ ሓለዋ ብምክያድ ክዛዘም ሓላፍነቶም ብብቕዓት ዝተወፅኡ ኣመራርሓን ኣባላትን ትካላት ፀጥታን ድሕነትን ኣመስጊኑ።
ብተመሳሳሊ ኣካላት ደሕንነት ኣድላዩ ምትሕብባርን ድጋፍን ንዝገበረ ንመላእ ህዝቢ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ መተሓባበር፣ ሰዓብቲ እምነት፣ ከምኡ እውን መናእሰይ ኣብ ልዕሊ ትካላት ፀጥታን ድሕንነትን ንዝገበርዎ ምትሕብባርን ደገፍን ብምምስጋን፣ ቀፃሊ ምትሕብባሮም ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ፃውዒት ቀሪቡ፡፡
Comments (0)
Add Comment