ስፓርት
ፊፋ 32 ጋንታታት ዝሳተፋሉ ዓለም ለኸ ውድድር ፅዋዕ ምድላዉ ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ(ፊፋ) 32 ጋንታታት ዝሳተፋሉ ዓለም ለኸ ውድድር ፅዋዕ ምድላዉ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ዙራት ቻምፒዮንስ ሊግ ዝተሳተፋ ጋንታታት ዝካተታሉ እቲ ውድድር፥ ካብ 15 ሰነ ክሳብ 13 ሓምለ 2025 ዓ.ም.ፈ ከምዝካየድ ተገሊፁ።
ፕሬዚዳንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ፥ መርሃ ግብሪ እቲ ውድድር፥ ስሩዕ ፀወታታት ሊግን ዓለም ለኸን ብዘይትንክፍ መገዲ ከምዝተሰናደአ ተዛሪቦም።
እተን 32 ጋንታታት፥ ኣብ ዝተፈላለያ ኣህጉራት ካብ ዝርከባ ሽዱሽተ ኮንፌዴሬሽናት ዝተውፃእፅኣ…
Read More...
ጆርጂዮ ችሊኒ ኣብ መበል 39 ዕድሚኡ ጫምኡ ሰቒሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ጣልያናዊ ተኸላኻሊ ኩዕሶ እግሪ ጆርጂዮ ችሊኒ ኣብ መበል 39 ዕድሚኡ ጫምኡ ሰቒሉ።
ካብ 23 ዕድሚኡ ጀሚሩ ምስ ብሄረራዊ ጋንታ ጣልያን ምጭዋት ዝጀመረ ችሊኒ፥ 117 ፀወታታት ንሃገሩ ገይሩ ኢዩ።
ብብርኪ ክለብ ድማ ዝበዝሐ ፃንሒቱ ኣብ ጁቬንቱስ ኢዩ ነይሩ።
ኣብ ጁቬንቱስ 561 ፀዋታታት ከምዝገበረ ይፍለጥ።…
ዝላታን ኢብራሂሞቪች ኣባል ቦርድ ኤሲ ሚላን ንምዃን ተስማዕሚዑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስዊድናዊ ኣጥቃዒ ዝላታን ኢብራሂሞቪች ኣባል ቦርድ ኤሲ ሚላን ንምዃን ተስማዕሚዑ።
ክሳብ 41 ዕድምኡ ኣብ ኢንተርናሽናል ኩዕሶ እግሪ ዝፀንሐ ዝላታን ኢብራሂሞቪች፥ ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ንገዛእ ርእሱ ካብ ኩዕሶ እግሪ ምግላሉ ይዝከር።
ድሕሪ እዚ ምስ ጋንትኡ ዝነበሮ ርክብ ዘየቋረፀ እቲ ኣጥቃዒ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንመበል…
ኢትዮጵያ ኣብ ታሪካ ንፈለማ እዋን ብውድድር ምሕምባስ ማይ ክልተ ሜዳሊያ ወርቂ ዓቲራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ታሪካ ንፈለማ እዋን ብውድድር ምሕምባስ ማይ ክልተ ሜዳሊያ ወርቂ ዓቲራ።
ብሄራዊ ጋንታ ስፖርት ምሕባስ ማይ ኢትዮጵያ ኣብ ሩዋንዳ ኪጋሊ ኣብ ዝተሳለጠ መበል ሻምናይ ሻምፒዮና ምሕባስ ማይ ዞን ሰለስተ ኣፍሪካ ኢዩ እቲ መዳሊያ ከምዝተረኸበ ኣብ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ…
ሊቨርፑልን ቼልሲ ንመጋጥምተን ስዒረን
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 14 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣብ ሜደአን ዝተፃወታ ጋንታታት ሊቨርፑልን ቼልሲን ዓወት ቀኒዑወን።
ንጋንታ ብራይተን ዝኣንገደት ቼልሲ 3 ን 2 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ ክትወፅእ ክኢላ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ሜዳኣ ዝተፃወተት ጋንታ ሊቨርፑል ንፉልሃም 4 ን 3 ብምስዓር ተዓዊታ።
ኣብቲ ሊግ…
ኣብ ማራቶን ቫሌንሺያ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑዎም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ማራቶን ቫሌንሺያ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑዎም።
ብደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ሲሳይ ለማ ነቲ ርሕቐት 2 ሰዓት 1 ደቒቕን 48 ሰከንድን ብዝኾነ ግዘ ብምእታው ውድድሩ ዛዚሙ፡፡
ኬንያዊ ኣትሌት ኣሌክሳንደር ሙቲሶ ካልኣይ ከምኡ እውን ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ዳዊት ወልዴ ሳልሳይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሞም፡፡
ብደቂ…
ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ኣብ ማራቶን ቫሌንሺያ ከምዝሳተፍ ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 3 ታሕሳስ ኣብ ቫሌንሺያ ዝካየድ ውድድር ማራቶን ከምዝሳተፍ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣትሌት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፁ ኣብ ዘመሓላፎ ፅሑፍ÷ ድሕሪ ናይ ብዙሕ ግዘ ጉድኣት ኣብ ማራቶን ቫሌንሺያ ጀንዝሳተፍ ኣፍሊጡ።
ናብ ውድድር ጉያ ንምምላስ ከቢድ ናይ ልምምድ እዋናት ከምዘሕለፈ…