ስፓርት

ስፓርት

ሃድያ ሆሳእና ተዓዋቲት ፅዋዕ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ሃድያ ሆሳእና ንጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ብመፍለዪ ፍፁም ቅላዕ ብምስዓር ተዓዋቲት መበል 17 ፅዋዕ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮይና። ሃድያ ሆሳእናን ኢትዮጵያ ቡናን ዘራኸበ ፀወታ ፅዋዕ ከተማ ኣዲስ ኣበባ÷ ኣብ ስሩዕ ሰዓት 2 ማዕረ ዝተዛዘመ እንትኸውን ብዝተውሃበ መፍለዪ ፍፁም ቅላዕ ሃዲያ ሆሳእና 5 ን 4 ስዒራ፡፡ ብምዃኑ ድማ ኣብ መበል 17 ፅዋዕ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተጋባዚት ዝነበረት ጋንታ ሃድያ ሆሳዕና ኣብ ታሪኻ ንፈለማ እዋን ተዓዋቲት እቲ ፅዋዕ ክትከውን ክኢላ፡፡ ተዓዋቲት ሃዲያ…
Read More...

ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣነስትዮ ኢትዮጵያ ንማሊ ብበፂሕኻ መልሲ 6 ን 0 ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣነስትዮ ኢትዮጵያ ንማሊ መዘነኣ ብበፂሕኻ መልሲ 6 ን 0 ስዒራ። ሃገራዊት ጋንታ ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣነስትዮ ኢትዮጵያ ኣብ 3ይ ዙር መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም ናይ መልሲ ፀወታኣ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ኣካይዳ፡፡ 9 ሰዓት ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ÷ ሃገራዊት ጋንታ…

መበል 23 ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) መበል 23 ውድድር ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ተኻይዱ፡፡ ኣብ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ውድድር፥ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓታት ተረኺቦም፡፡ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤን ኣብቲ እዋን ከም ዝበለኦ÷ ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ድምቀት፣ መግለፂ ሓድነትን ፍቕሪን እታ ከተማ…

ኣይተ ኢያሱ ወሰን ፕሬዚዳንት ኮንፌዴሬሽን ጉስጢት ኣፍሪካ ብምዃን ተሸይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ጉስጢት ኢትዮጵያ  ኣይተ ኢያሱ ወሰን ፕሬዚዳንት ኮንፌዴሬሽን ጉስጢት ኣፍሪካ ብምዃን ተሸይሞም። መበል 47 ስሩዕ ጉባኤ ኮንፌዴሬሽን ጉስጢት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ተሳሊጡ። ኣብቲ ጉባኤ ኣይተ ኢያሱ ወሰን ፕሬዚዳንት ኮንፌዴሬሽን ጉስጢት ኣፍሪካ ብምዃን ተሸይሞም። ብእዩኤል…

ኤቨርተን ሕጊ ፋይናንስ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝን ጥሒሳ ስለዝተረኸበት 10 ነጥቢ ተቐኒሱዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ መርሲሳይድ ኤቨርተን ሕጊ ፋይናንስ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝን ጥሒሳ ስለዝተረኸበት 10 ነጥቢ ተቐኒሱዋ። እታ ጋንታ ኣብ ዘበነ ውድድር 2021-22 ምስ ጥሕሰት ፋይናንስ ተተሓሒዙ ብዘይሻራዊ መፃረዪ ኮሚቴ ምርምራ እናተገበረላ ምፅንሑ ተገሊፁ፡፡ ብዝተገበረ ምፅራይ ድማ ኣብ ፋይናንሻል ፍትሓዊነት ዝተቐመጠ ሕጊ ፕሪሚየር…

ዋና ፀሓፊት ፊፋ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ድሬዳዋ ኣቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፀሓፊት ማሕበር ኩዕሾ እግሪ (ፊፋ) ፋጡማ ሳሞራይ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣማሲየን ናብ ድሬዳዋ ኣቲየን። እተን ዋና ፀሓፊት ኣማሲየን ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ድሬዳዋ እንትበፅሓ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ከድር ጁሃርን ኣባላት ካቢኔ እቲ ምምሕዳርን ኣቀባብላ ገይሮምለን። እተን ዋና ፀሓፊት ኣብ ድሬዳዋ…

ኣብ ማራቶን ቤይሩት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤይሩት ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ክብረ ወሰን እቲ ቦታ ብምስባር ተዓዊቶም፡፡ ብደቂ ተባዕትዮ ጋዲሳ ጣፋ 02፡10፡34 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ክብረ ወሰን እቲ ቦታ ብምምሕያሽ ቀዳማይ እንትወፅእ÷ ጎጃም በላይነህ ድማ ካልኣይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሙ፡፡ ብደቂ ኣንስትዮ ብዝተገበረ ውድድር…