ስፓርት
ናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ጋንታ ናብ ሞሮኮ ዝገብሮ ጉዕዞ ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ጋንታ ንቻን ውድድር ምድላው ናብ ሞሮኮ ዝገብሮ ጉዕዞ ጀሚሩ።
እቲ ብሄራዊ ጋንታ ናብ ግብፂ ካይሮ በረራ ዝገበረ እንትኸውን፥ እቲ ጋንታ ቅድሚ ደቓይቕ ብሰላም ካይሮ ከምዝበፅሐ ተፈሊጡ።
እቲ ብሄራዊ ጋንታ ንሒደት ደቓይቕ ኣብ ካይሮ መዕርፎ ነፈርቲ ፃንሒት ድሕሪ ምግባሩ ናብ ሞሮኮ ጉዕዝኡ ዝቕፅል ምዃኑ ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና…
Read More...
ሻምፒዮና ውድድር ኩዕሾ እግሪ ተምሃሮ ፓን ኣፍሪካኒዝም ተጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)2ይ ሻምፒዮና ውድድር ኩዕሾ እግሪ ተምሃሮ ፓን ኣፍሪካኒዝም ኣብ ከተማ ኣዳማ ምክያድ ጀሚሩ።
ኣብ መጀመሪ መርሃ ግብሪ እቲ ሻምፒዮና ዝተረኸቡ ዋና ፀሓፊ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ባህሩ ጥላሁን÷ ሻምፒዮና ውድድር ኩዕሾ እግሪ ተምሃሮ ፓን ኣፍሪካኒዝም ተተካእቲ ስፖርተኛታት ኣብ ምፍራይ ልዑል ግደ ከምዝህልዎ ኣብሪሆም፡፡…
ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣቋራፂ ሃገር ኢንተርናሽናል ጃንሜዳ ሻምፒዮን ኮይና
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ሻምፒዮና 10 ሺሕ ሜትሮ ዓለም ለኸ ውድድር ጉያ ኣቋራፂ ሃገር ጃንሜዳ ኮይና፡፡
መበል 40 ውድድር ጉያ ጃንሜዳ ኢንተርናሽናል ምቁራፅ ሃገር ብድብልቕ ሪሌ ተኻይዱ።
እቲ ውድድር ሎሚ መዓልቲ ንመበል 40 ግዜ ኣብ ከተማ ሱሉልታ እንትካየድ÷ ሻምፒዮናት ዓለም፣ ኮከባት ኦሎምፒክን ካልኦት ፍሉጣት…
ክሪስቲያኖ ሮናልዶ ንኣል-ናስር ፈሪሙ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ፖርቹጋላዊ ኣጥቃዒ ኩዕሶ እግሪ ክርስቲያኖ ሮናልዶ ንኣል-ናስር ሱዕዲ ዓረብ ፈሪሙ
እቲ ወዲ 37 ዓመት ካብ ማንችስተር ዩናይትድ ድሕሪ ምፍልላዩ ናብ ኣል ናስር ንምፅንባር ምውሳኑ ይዝከር።
ብመሰረት እዚ ኣብታ ጋንታ ንክልተ ዓማውቲ ዘፅንሖ ውዕል ዝፈረመ እንትኸውን፥ እቲ ክለብ 175 ሚሊየን ፓውንድ ዓመታዊ ክፍሊት…
ብራዚል ብምኽንያት ሕልፈት ንጉስ ኩዕሾ እግሪ ፔሌ 3 ናይ ሓዘን መዓልቲታት ኣዊጃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብራዚል ብምኽንያት ሕልፈት ንጉስ ኩዕሾ እግሪ ፔሌ 3 ናይ ሓዘን መዓልቲታት ኣዊጃ።
ፕሬዚዳንት ብራዚል ጃዬር ቦልሶናሮ ወዲ 82 ዓመት ሕልፈት ንጉስ ኩዕሾ እግሪ ፔሌ ስዒቡ ሰለስተ ተኸታተልቲ ናይ ሓዘን መዓልቲ ኣዊጆም።
ብራዚላውያን ብናይ ኩሉ ግዘ ኮኸቦም ሕልፈት ሓዘን እናገለፁ ይርከቡ።
ፔሌ ምስ ሃገሩ ብራዚል…
ኮኾባት ተፃወትቲ ኩዕሾ እግሪ ብሕልፈት ፔሌ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮኾባት ተፃወትቲ ኩዕሾ እግሪ ብሕልፈት ብራዚላዊ ኮኸብ ፃዋታይ ፔሌ ዝተሰመዖም ሓዘን እናገለፁ ይርከቡ።
ነበር ተፃወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ሮናልዶ ሉዊስ ናዛሪዮ ዴሊማን ሮናልዲንሆ ጎቾን ብሕልፈት እቲ ኮኾብ ተፃዋታይ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።
እንግሊዛዊ ጋሪ ሊንከርን ሓዊሱ ነበር ተፃወትቲ እውን ዝተሰመዖም ሓዘን…
ብራዚላዊ ውሩይ ተፃዋታይ ኩዕሶ እግሪ ፔለ ኣብ 82 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብራዚላዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ፔለ፡ ኣብ መበል 82 ዓመቱ ዓሪፉ።
ፔለ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዝፀንሓሎም 21 ዓመታት ኣብ 1368 ፀወታታት 1 ሺሕን 281 ሸቶታት ኣመዝጊቡ'ዩ።
ንሃገሩ ብራዚል ወኪሉ ኣብ ዘካየዶ 92 ግጥማት ድማ 77 ሸቶታት ኣቑፂሩ።
እቲ ውሩይ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ፥ ዋንጫ ዓለም ሰለስተ ግዜ…