ስፓርት
መርሃ ግብሪታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ እውን ክካየድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 35 ሰሙን መርሃ ግብሪታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ እውን ክካየድ ኢዩ።
ኣብቲ ናይሎሚ መዓልቲ ዝካየድ ፀወታ፥ ኣርሰናል ምስ በርንማውዝ ምሸት ሰዓት 1፡30 ዘካይድኡ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ይግበረሉ።
ሰዓት 8፡30 ኣስቶንቪላ ምስ ፉልሃም ክፃወታ ኢየን።
ሰዓት 11፡00 ድማ ኤቨርተን ምስ ኢፕስዊች ታውን ከምኡውን ካብቲ ፕሪሚየር ሊግ ዝተሰናበተት ሌስተር ሲቲን ሳውዝሃምፕተን ፀወተአን ከካይዳ ኢየን።
ትማሊ ኣብ ስታዲየም ኢቲሃድ ምስ ዎልቭስ ዝተፃወተት ማንቼስተር ሲቲ 1 ን…
Read More...
ባህርዳር ከተማ ንኢትዮ ኤሌክትሪክ ስዒራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መበል 27 ሰሙን ፕርሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ባህርዳር ከተማ ንኢትዮ ኤሌክትሪክ 2 ን 0 ብምስዓር ተዓዊታ።
ጋንታ ባህርዳር ዝተዓወተትለን ሸቶታት ግርማ ዲሳሳን ቸርነት ጉግሳን ኣመዝጊቦምወን፡፡
ፀወታ እቲ ፕሪሚየር ሊግ እንትቕፅል ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክን መቻልን እናተፃወታ ይርከባ፡፡
ከተማ ኣዳማን ዩኒቨርስቲ ወልዋሎ ዓዲግራትን ማዕረ ተፈላልየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መርሃ ግብሪ መበል 27 ሰሙን ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ዝተራኸባ ከተማ ኣዳማን ዩኒቨርሲቲ ወልዋሎ ዓዲግራትን ሓደ ማዕረ ተፈላልየን፡፡
ኣብ ስታድየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም፤ ዩኒቨርሲቲ ወልዋሎ ዓዲግራት ዳዋ ሁጤሳ ንከተማ ኣዳማ ድማ ነቢል ኑሪ ሸቶታት ኣመዝጊቦም፡፡
ኣብ ውድድር ስፖርት ትካል ሕብረት ኣዘዝቲ ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪካ ፖሊስ ኢትዮጵያ ብውርወራ ጦር ስዒሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 5ይ ኣብ ውድድር ስፖርት ትካል ሕብረት ኣዘዝቲ ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪካ ፖሊስ ኢትዮጵያ ብደቂ ኣንስትዮ ውርወራ ጦር 1ይ ን 2ይን ብምውፃእ ተዓዋቲ ኮይኑ።
ኣብቲ ውድድር ፖሊስ ኬኒያ 3ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሙ።
ብውርወራ ጦር ደቂ ተባዕትዮ ፖሊስ ኬኒያ 1ይን 2ይን ደረጃ ብመሓዝ እንትዛዝም ፖሊስ ኢትዮጵያ 3ይ ደረጃ…
ኣትሌታት ፖሊስ ኢትዮጵያ ብ10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ተዓዊተን
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣትሌታት ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ መበል ሓምሻይ ውድድር ፖሊስ ትካል ሕብረት ኣዘዝቲ ፖሊስ ኣፍሪካ ብ10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ቀዳማይን ሳልሳይን ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊተን።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ዘሎ እቲ ውድድር ውድድር ብደቂ ተባዕቲዮ እውን ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ።
ፖሊስ ኬኒያ ብ400 ሜትሮን 100…
ኣብ ጃፓን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ኣትሌት ዳዊት ወልዴ ተዓዊቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ጃፓን ከተማ ጊፉ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ዳዊት ወልዴ ተዓዊቱ፡፡
ነቲ ውድድር 1፡00፡06 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ቀዳማይ ብምውፃእ ዝዛዘመ ኣትሌት ዳዊት ወልዴ፤ ኣብቲ ውድድር እንትሳተፍ ንፈለማ እዋን ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ብደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ድማ ኢትዮጵያዊት…
ኣብ ውድድር ማራቶን ለንደን ኣትሌት ትእግስት ኣሰፋ ተዓዊታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 45 ውድድር ጉያ ማራቶን ለንደን ብደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ትእግስት ኣሰፋ ቀዳመይቲ ብምውፃእ ተዓዊታ፡፡
ኣትሌት ትግስት ነቲ ርሕቐት ንምዝዛም 2 ሰዓት 15 ደቒቕን 50 ሰከንድን ወዲኡላ፡፡
ኣብ መርሃ ግብሪ እቲ ውድድር ኬንያዊት ኣትሌት ጄፕኮስፔ ካልአይቲ ከምኡ እውን ኣትሌት ሲፋን ሓሰን ሳልሰይቲ ብምውፃእ…