ስፓርት
ትሕቲ 17 ዓመት ብሄራዊ ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ናይ መልሲ መፃረዪ ፀወታ ፅዋ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ከካይዳ ኢየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትሕቲ 17 ዓመት ብሄራዊ ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ዙር ናይ መልሲ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ምስ ዩጋንዳ መዘነአን ከካይዳ ኢየን።
እቲ ናይ መልሲ ፀወታ ሎሚ መዓልቲ 10፡ሰዓት ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ከምዝካየድ ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ።
ኣብ ናይ መጀመርታ ፀወታ ኣብ ሃገረ ዩጋንዳ ክልቲአን ሃገራት ክልተ ማዕረ ከምዝተፈላለያ ይዝከር።
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና…
Read More...
ኣብ ቤልግሬድ ውድድር ጉያ ውሽጢ ገዛ ደቂ ኣንስትዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምውፃእ ተዓዊተን
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤልግሬድ ውድድር ጉያ ውሽጢ ገዛ ዓለም 2022 ምሸት 4:35 ብደቂ ኣንስትዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ዝተገበረ ውድድር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምውፃእ ተዓዊተን።
ኣብቲ ውድድር ኣትሌትጉዳፍ ፀጋይ ቀዳመይቲ ብምውፃእ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኣ።
ኣትሌትጉዳፍ ፀጋይ 3:57.19 ብዝኾነ ሰዓት…
ፍሬወይኒ ሃይሉ ሓዊሱ 4 ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ብብርኪ ዓለም ናብ ዝካየድ ሻምፒዮና ቤልግሬድ ውድድር ፍፃመ ጒያ ውሽጢ ገዛ ሓሊፎም
አዲስ አበባ፣ መጋቢት 10፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍሬወይኒ ሃይሉ ሓዊሱ 3 ኢትዮጵያዊያን ኣትሊታት ብብርኪ ዓለም ናብ ዝካየድ ሻምፒዮና ቤልግሬድ 2022 ውድድር ፍፃመ ጒያ ውሽጢ ገዛ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ሓሊፎም።
ብመሰረት እዚ ፍሬወይኒ ሃይሉን ሃብታም ኣለሙን ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኣብ ዝተኻየደ መፃረዪ ውድድር ነቲ ርሕቐት ብቐዳምነት ዛዚመን።
ብደቂ ተባዕቲዮ ድማ…
ድልድል ርብዒ ፍፃመ ውድድር ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ዕላዊ ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ድልድል ርብዒ ፍፃመ ውድድር ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ዕላዊ ኮይኑ።
ብመሰረት እዚ፡-
ጋንታ ቼልሲ ምስ ጋንታ ሪያል ማድሪድ
ጋንታ ቪያሪያል ምስ ጋንታ ባየርን ሙኒክ
ጋንታ ማንቼስተር ሲቲ ምስ ጋንታ ኣትሌቲኮ ማድሪድ
ጋንታ ቤኔፊካ ምስ ጋንታ ሊቨርፑል ተደልዲለን።
ቀዳማይ እግሪ ፀወታ 27 ን 28 መጋቢት…
ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ናይ መወዳእታ ዙር መፃረዪ ውድድር ትሕቲ 20 ዓመት ፅዋዕ ዓለም ተካይድ ኣላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ናይ መወዳእታ ዙር መፃረዪ ውድድር ትሕቲ 20 ዓመት ፅዋዕ ዓለም ምስ ጋና መዘናኣ ተካይድ ኣላ።
እቲ መፃረዪ ፀወታ ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ እናተኻየደ ከምዝርከብ ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ።
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ…
ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያን ጂ ኣይ ዜድን ስምምዕነት ተፈራሪሞም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ትካል ልምዓት ጀርመን ጂ ኣይ ዜድን ስምምዕነት 10 ሚሊየን ብር ተፈራሪሞም።
እቲ ስምምዕነት ደረጃ ማእኸል ልህቀትን መፃወቲን መለማመዲን ሜዳ ንምምሕያሽ ከምኡ እውን ሓዱሽ ተወሳኺ ሜዳ ንምስራሕ ዘኽእል ክዝኾነ ካብቲ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ጂ…
ኢንተርነሽናል ኣርቢትር ባምላክ ተሰማ ኣብ ቀፃሊ 2 ትፅቢት ዝግበረሎም ፀወታታት ብዋና ዳይነት ክመርሑ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢንተርነሽናል ኣርቢትር ባምላክ ተሰማ ኣብ ቀፃሊ ትፅቢት ዝግበረሎም ፀወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣፍሪካን መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ዓለምን ብዋና ዳይነት ክመርሑ ኢዮም።
ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ፅቡቕ ብቕዓት ዳይነት ዘርአዩ ኣርቢትር ባምላክ ተሰማ ዝቕፅል ቀዳም 16 መጋቢት ዝግበር ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቻምፒዮንስ…