ስፓርት
ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ምፅራይ ዋንጫ ዓለም ዘርኣዮ ብቕዓት ኣብ ዋንጫ ኣፍሪካ ክደግም ኣይከኣለን-ኤሳያስ ጅራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት 7፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ምፅራይ ዋንጫ ዓለም ዘርኣዮ ብቕዓት ኣብ ዋንጫ ኣፍሪካ ክደግም ኣይከኣለን ክብሉ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኤሳያስ ጅራ ተዛሪቦም።
ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተን ሓጋዚኦምን ኣብ ካሜሮን ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ኣፍሪካ ዝነበሮም ፃንሒት ብዝምልከት ኣሰልጠንቲ 16 ጋንታታት ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ዘተ ተገይሩ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኤሳያስ ጅራ ከምዝበልዎ፥ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ…
Read More...
ኣብ ምድላው መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ን27 ተፃወትቲ ፃውዒት ቀሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሰልጣኒ ፍሬው ሃይለገብርኤል ኣብ ምድላው መፃረዪ ውድድር ፅዋዕ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ን27 ተፃወትቲ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ብኣሰናዳእነት ኮስታሪካ ኣብ ዝካየድ ውድድር ፅዋዕ ዓለም 2022 ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ጋና መዘነአን ንምፅዋት ኢዮም ን27 ተፃወትቲ ፃውዒት ኣቕሪቦም…
ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ኤርትራ ተኻይዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓሙሽተ ሃገራት ዝተሳተፋሉ ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ኤርትራ ከተማ ምፅዕ ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ተኻይዱ።
ኣብቲ ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን፥ ካብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳንን ታንዛኒያን ዝተወከሉ ኣትሌታት ተሳተፍቲ ኮይኖም።
እቲ ውድድር መበል 32 ዓመት ኦፕሬሽን ፈንቅል ንምዝካር ምኽንያት…
መበል 12 ሰሙን ፀወታታት ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ክጅምሩ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)መበል 12 ሰሙን ፀወታታት ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ክጅምሩ ኢዮም።
ብመሰረት እዚ ድማ ጋንታ ፋሲል ከነማን ኣዳማ ከተማን ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 10 ፀወተአን ከካይዳ ኢየን፡፡
ሻምጲዮና ዝሓለፈ ዓመት ጋንታ ፋሲል ከነማ ንግዚኡ ነቲ ልግ ንምምራሕ ዘኽእል ውፅኢት ንምርካብ ንጋንታ ኣዳማ…
ኣብ ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ 3 ጋንታታት ውሳነ ቅፅዓት ተመሓላሊፉወን
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ግድፈት ዲሲፒሊን ኣብ ልዕሊ ዝፈፀማ 3 ጋንታታት ውሳነ ቅፅዓት ከምዘመሓላለፈ ኮሚቴ ዲሲፒሊን እቲ ሊግ ተገሊፁ።
ውሳነ ቅፅዓት ዝተመሓላለፈለን
ውሳነ ቅፅዓት ዘተመሓላለፈለን ጋንታታት ድሬዳዋ ከተማ፣ ሃዲያ ሆሳእናን ወላይታ ዲቻን እንትኾና፥ ደገፍተን ኣብ ሜዳ ብዘርአዩዎ ዘይተገበአ ተግባር…
ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ተዓዋቲት ፅዋዕ ኣፍሪካ ኮይና
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2014 ዓ.ም (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ኣብ መበል 33 ውድድር ፅዋዕ ኣፍሪካ ሻምፒዮን ኮይና።
ሃገራውያን ጋንታታት ሴኔጋልን ግብፅ ዘራኸበ ውድድር ፍፃመ ፅዋዕ ኣፍሪካ፥ ኣብ ስሩዕን ተወሳኺ ሰዓትን ብርቱ ንሕን ሽቶ ክምዝገብ ስለዘይከኣል ብመፍለዪ ፍፁም ቅላዕ ሴኔጋል ክትዕወት ክኢላ።
ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ኣብ ታሪኽ ፅዋዕ ኣፍሪካ…
ሃገራዊት ጋንታ ግብፂ ንሃገራዊት ጋንታ ካሜሮን ብምስዓር ናብ ፍጻመ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሓሊፋ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 33 ፅዋዕ ኣፍሪካ ሃገራዊት ጋንታ ግብፂ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሮን ኣብ ዝገበረቶ ውድድር ፍርቂ ፍፃመ ብፍፁም ቅላዕ 3 ን 1 ብምስዓር ናብ ፍፃመ ፀወታ ሓሊፋ።
ኣብቲ ፀወታ ኣብ ስሩዕ ሰዓትን ተወሳኺ ሰዓትን ባዶ ንባዶ ማዕረ ዝተዛዘመ እንትኸውን፥ ናብ ፍፀም ቅላዕ ኣምሪሐን ግብፂ ክትዕወት ክኢላ።
ካሜሮን ካብ…