ስፓርት

ስፓርት

ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ 5 ሽሕ ርሕቐት ሓዱሽ ክብረወሰን ዓለም ኣመዝጊባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ትማሊ ኣብ ሰፔን ቫለንሽያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 5 ሺሕ ሜትሮ 14 ፡ 06 ፡ 62 ግዜ ብምዝዛም ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ኣመዝጊባ። እቲ ክብረ ወሰን ብኢትዮጵያዊት ኣትሌት ጥሩነሽ ዲባባ ተታሒዙ ዝፀንሐ እዩ። ጥሩነሽ ዲባባ ነቲ ርሕቐት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2008 ዓ.ም 14 ፡ 11፡ 15 ብምእታው ክብረወሰን ሒዛ ፀኒሓ ነይራ። ጓል 21 ዓመት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ፥ ኣብ ትግራይ ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ እያ ተወሊዳ ዓብያ። ዝዓበየትሉ ወረዳ…
Read More...

ውድድር ኩዕሾ እግሪ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ 3 ታሕሳስ ከምዝጅመር ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ውድድር ኩዕሾ እግሪ ደቂ ተባዕቲዮ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ 3 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ከምዝጅመር ሼር ካምፓኒ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ዕላዊ ገይሩ። እቲ ሼር ካምፓኒ፥ ኣብ ውሽጢ ኮቢድ ኮይንካ ውድድር ፕሪሜርሊግ ንምጅማር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጡ። በቲ ዝተገበረ ምድላው…

ኣብ ማራቶን ለንደን ውፅኢት ዘመዝገቡ ኣትሌታት ኣዲስ ኣበባ እንትበፅሑ ኣቀባብላ ተገይሩሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብብርኪ ፕላቲኒየም ዝተሰየመ ንመበል 40 ግዘ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ለንደን ውፅኢት ዘመዝገቡ ኣትሌታት ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም። እቶም ኣትሌታት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ድማ ኣቀባብላ ተገይሩሎም። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ፥ ተቀዳሚት ምክትል ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ…

ኣብ ውድድር ጉያ ለንደን ማራቶን ኢትዮጵያዊ ቶላ ቂጣታ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ዝተዛዘመ ውድድር ጉያ ለንደን ማራቶን ኢትዮጵያዊ ሹራ ቅጣታ ተዓዊቱ። ሹራ ቅጣታ 2 ሰዓት 5 ደቒቕን 41 ሰከንድ ብዝኾነ ሰዓት ኢዩ ውድድሩ ዛዚሙ። ኣብቲ ውድድር ኬንያዊ ቪንሰንት ኪምቾምባ 2 ሰዓት 5 ደቒቕን 42 ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ካልኣይ እንትወፅእ፥ ኢትዮጵያዊ ሲሳይ ለማ ድማ ብ2 ሰዓት…

ውበቱ አባተ ኣሰልጣኒ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18  መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ ) ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ውበቱ አባተ ዋና ኣሰልጣኒ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕቲዮ ንክኾኑ ከምዝሾሞም ኣፍሊጡ። ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ንክልተ ዓመት ውዕሊ ከም ዝተውሃቦም ተገሊፁ። እቲ ጋንታ ብዘይ ኣሰልጣኒ ንኣዋርሕ ምፅንሑ ይፍለጥ። ብኣፈወርቅ ኣበበ እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ…

ኣብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣድላዪ ጥንቃቐ ብምግባር ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ከምዝጅመሩ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣድላዪ ጥንቃቐ ብምግባር ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ከምዝጅመሩ ኮሚሽን ስፖርት ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ብዝብል፤ ስፖርታዊ ስልጠናታት፣ ውድድራት ብሓፈሻ ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ጠጠው ንኽብሉ ተገይሩ ምፅንሑ ይፍለጥ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ…

መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ፅዋዕ ካፍ ሻምፒዮንስ ሊግ ከምዝሳተፍ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሼር ካምፓኒ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ፅዋዕ ካፍ ሻምፒዮንስ ሊግ ጋንታ ፋሲል ከነማ ድማ ኣብ ፅዋዕ ኮንፌዴሬሽን ንኽሳተፉ ከምዝወሰነ ተገሊፁ። ሼር ካምፓኒ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ኣፍሪካ ንኢትዮጵያ ወኪለን ዝሳተፋ ጋንታታት ንኸፍልጥ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ሕቶ ኣቕሪቡ…