ስፓርት
ጋንታ ኣስቶንቪላ ንስቲቨን ጄራርድ ኣሰልጣኒ ገይራ ሾይማ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)እንግሊዛዊት ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ንስቲቨን ጄራርድ ኣሰልጣኒ ገይራ ሾይማ።
ኣስቶንቪላ ንዲን ስሚዝን ካባረሩ ድሕሪ ምብራራ ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ንምርካብ እናኣለሸት ፀኒሓ ኢያ።
ሎሚ መዓልቲ ድማ ነበር ተፃዋቲ ጋንታ ሊቨርፑል ስቲቨን ጄራርድ ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ገይራ ሾይማ ኣላ፡፡
ኣሰልጣኒ ስኮትላንዳዊት ጋንታ ሬንጀርስ ዝነበረ ጄራርድ፥ ንጋንታ ኣስቶንቪላ ክለተ ዓመትን ፈረቓን ንምስልጣን ተስማዕሚዑ።
ወዲ 41 ዓመት እንግሊዛዊ ኣብ ሬንጀርስ ዝነበሮ ፃንሒት ምስታ ጋንታ ፅዋዕ ስኮቲሽ ፕሪሚየር ሊግ…
Read More...
ኢትዮጵያ ተዓዋቲት ውድድር ፅዋዕ ሴካፋ ኮይና
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ብዙር ካብ ዝገበረቶም 4 ፀወታታት ኩሎም ብምስዓር ሻምፒዮን ኮይና።
እታ ሃገራዊት ጋንታ 12 ነጥቢ ብመሓዝ 12 ምስ ዝነበራ ሃገራዊት ጋንታ ዩጋንዳ ናይ መወዳእታ ፀወታ ሎሚ መዓልቲ ዝተራኸባ እንትኾና፥ ኢትዮጵያ 3 ን 2 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ተዓዋቲት ኮይና።…
ዓቢዪ ጉያ ኢትዮጵያ 2014 ንዘይተወሰነ እዋን ተናዊሑ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓቢዪ ጉያ ኢትዮጵያ ኣቢዪ ጉያ ቶታል ኢነርጂስ 2014 ንዘይተወሰነ እዋን ከምዝተናውሐ ኣፍሊጡ።
5 ሕዳር 2014 ዓ.ም ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ቶታል ኢነርጂስ 2014 ዓቢዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ፥ ብመሰረት ኣዋጅ ህፁፅ እዋንንዘይተወሰነ እዋን ከምዝተናወሐ ኢዩ ኣፍሊጡ ዘሎ።
ተለዋጢ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ ቀረባ ሰሙናት ዕላዊ…
ሉሲታት ካብ ውድድር ፀዋዕ ኣፍሪካ ደቂ ኣንስትዮ 2022 ወፃእ ኮይነን
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ (ሉሲ) ካብ ውድድር ፀዋዕ ኣፍሪካ ደቂ ኣንስትዮ 2022 ወፃእ ኮይና።
ኣብ ቀዳማይ ዙር መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሃገራዊት ኢትዮጵያ ንሃገራዊት ጋንታ ዩጋንዳ 2 ን 0 ስዒራ ዝነበረት ትኹ እምበር ብሓፈሻዊ ውፅኢት ካብቲ ውድድር ወፃ ኮይና።
ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ…
ኬንያዊት ኣትሌት ፌዝ ኪፕዮገን ኣብ ዓቢዪ ጉያ ኢትዮጵያ 2014 ናይ ክብሪ ጋሻ ክትከውን ኢያ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኬንያዊት ኣትሌት ፌዝ ኪፕዮገን ኣብ ቶታል ኢነርጂ ዓቢዪ ጉያ ኢትዮጵያ 2014 ናይ ክብሪ ጋሻ ከምትኸውን ዓቢዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ኣትሌት ፌዝ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ውድድር ጉያ ኣብ ሪዮ ኦሎምፒክ ተዓዋቲት ከምዝኾነት ይፍለጥ።
ቶታል ኢነርጂ ዓቢዪ ጉያ ኢትዮጵያ 5 ሕዳር 2014 ዓ.ም ክካየድ ኢዩ።…
ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ክብረ ወሰን ዓለም ፍርቂ ማራቶን ሰይራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቫሌንሺያ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ክብረ ወሰን ዓለም እቲ ርሕቐት ብምስባር ተዓዊታ።
ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ነቲ ርሕቐት 1 ሰዓት 2 ደቒቕን 52 ሰከንድን ብምእታው ኢያ ተዓዋቲት ኮይና ዘላ፡፡
ካሊእ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ያለምዘርፍ የኋላው ኣብቲ ውድድር…
መርሃ ግብሪ ውድድር ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ሴካፋ ዕላዊ ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ብኣሰናዳእነት ዩጋንዳ ዝካየድ ውድድር ኩዕሾ እግሪ ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪካ /ሴካፋ/ 2021 ትሕቲ 20 ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሞንጎ ሽዱሽተ ሃገራት ከምዝካየድ ኣሰናዳእቲ እቲ ውድድር ኣፍሊጦም።
ካብ 20 ክሳብ 30 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ኣብ ዩጋንዳ ዝካየድ ውድድር፥ ሽዱሽተ ሃገራት ብመልክዕ ዙር ፀወተአን ከካይዳ ኢየን…