ስፓርት
ኣትሌት ሓጎስ ገ/ህይወት ኣብ ውድድር ጉያ ግራንድ ስላም ተዓዊቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ንፈለማ እዋን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ውድድር ትራክ ግራንድ ስላም ብ3 ሺሕ ሜትሮ ነዊሕ ርሕቐት ደቂ ተባዕትዮ ተዓዊቱ።
ኣብ ኪንግስተን ኣብ ዝተኻየደ ልዑል ንሕንሕ ዝተርኣየሉ ውድድር÷ ኣትሌት ሓጎስ ነቲ ርሕቐት ንምዝዛም 7 ደቒቕ 51ሰከንድን 55 ማይክሮ ሰከንድን ወዲኡሉ።
ሓጎስ ገብረህይወት ኣብ ፈላማይ ናይ 5 ሺሕ ሜትሮ ነዊሕ ርሕቐት ውድድር 4ይ ደረጃ ብመሓዝ ምዝዛሙ ስዒቡ ዝረኸቦ ነጥቢ 17 ብምብፃሕ ብሓፈሻዊ ውፅኢት 2ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሙ።
ነዚ…
Read More...
ኣትሌት ደሳለኝ ዳኘውን የግሌ እሸቱን ኣብ 2017 ዓብዪ ጒያ ጅማ ተዓዊቶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣትሌት ደሳለኝ ዳኘውን የግሌ እሸቱን ኣብ 2017 ውድድር ዓብዪ ጒያ ጅማ ተዓዊቶም።
ሎሚ ንጎሆ ኣብ ከተማ ጅማ ኣብ ዝተገበረ ውድድር 15 ኪሎ ሜትሮ ደቂ ተባዕቲዮ ኣትሌት ደሳለኝ ዳኘው ቀዳማይ እንትወፅእ፥ ጃፋር ጀማል ካልኣይ፣ ኣብዩት ሞገስ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።
ብተመሳሳሊ ርሕቐት ብደቂ ኣኒስቲዮ…
ኣትሌት ድርቤ ወልተጂ ተዓዊታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ጃማይካ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ግራንድ ስላም ትራክ ኣትሌት ድርቤ ወልተጂ ብደቂ ኣኒስቲዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ተዓዊታ።
ኣትሌት ድርቤ ነቲ ርሕቐት 4:04.51 ብዝኾነ ጊዘ ብምምዝዛም ቀዳመይቲ ኮይና።
እታ ኣትሌት ብ800 ሜትሮ ካልአይቲ ዝወፅአትሉ ውፅኢት ተደሚሩ ብሓፈሻ ዝረኸበቶ ነጥቢ 20…
ባህር ዳር ከተማን ስሑል ሽረን ማዕረ ተፈላሊየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 23 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ባህር ዳር ከተማን ስሑል ሽረን ብዘይ ሸቶ ማዕረ ተፈላሊየን፡፡
እቲ ውፅኢት ስዒቡ ባህር ዳር ከተማ ብ34 ነጥቢ ኣብ 3ይ ደረጃ እንትትቅመጥ÷ ስሑል ሽረ ብ16 ነጥቢ ኣብ 17 ደረጃ ትርከብ፡፡
ፀወታ እቲ ሊግ እንትቕፅል ምሸት 12 ሰዓት ኢትዮጵያ ቡና ምስ መቻል…
ኬቨን ዲብሮይነ ኣብ መወዳእታ እዚ ውድድር ዓመት ካብ ማንቼስተር ሲቲ ከምዝለቅቕ ኣረጋጊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤልጂየማዊ ተፃዋታይ ክፍሊ ማእኸል ጋንታ ማንቼስተር ሲቲ ኬቨን ዲብሮይነ ድሕሪ ትሽዓተ ዓመት ፃሒት ኣብ መወዳእታ እዚ ውድድር ዓመት ካብታ ጋንታ ከምዝፈላለ ኣረጋጊፁ፡፡
እቲ ተፃዋታይ ምስ ማንቼስተር ሲቲ ዘለዎ ኩንትራት ኣብ መወዳእታ እዚ ውድድር ዓመት ስለዝዛዘም ብናፃ ዝውውር ካብታ ጋንታ ከምዝለቅቕ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡…
ፋሲል ከነማ ንወልዋሎ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ-ግራት ስዒሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መርሃ ግብሪ መበል 23 ሰሙን ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ፋሲል ከነማ ኣብ ልዕሊ ወልዋሎ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ-ግራት 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊቱ።
ንፋሲል ከነማ ናይ ዓወት ሸቶታት ዘቑፀሩ ጌታነህ ከበደን ሸምሰዲን መሓመድን እዮም፡፡
ንወልዋሎ ካብ ስዕረት ዘይኣድሓነት ሸቶ ዘቑፀራ ድማ ቡልቻ ሹራ እዩ።
ፋሲል…
ዓለም ለኸ ፌዴሬሽን ጂምናስቲክ ንኢትዮጵያ ድጋፍ ከምዝገብር ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንስፖርት ጅምናስቲክ ኢትዮጵያ ዝኸውን ደገፍ ፋይናንስን እታዎት ጅምናስቲክ ስፖርትን ከምዝገብር ዓለም ለኸ ፌዴሬሽ ጅምናስቲክ ኣፍሊጡ፡፡
ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ፌዴሬሽን ጂምናስቲክ ሞሪናሬ ዋታናቤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተሃነፁ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ዑደት ኣካይዶም።
ኣብ ፃንሒቶም ምስ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን፣…