ስፓርት

ስፓርት

ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካፍ ንኽተተኣናግድ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካፍ ኣብ ኢትዮጵያ ንኽካየድ ወሲኑ፡፡ እቲ ጉባኤ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ይኹን እምበር÷ እታ ሃገር ክተተኣናግድ ከምዘይትኽእል ምግላፃ ስዒቡ ኢትዮጵያ እቲ ጉባኤ ንምትእንጋድ ዘቕረቨቶ ሕቶ ካፍ ኣፅዲቑዎ፡፡ ብመሰረት እዚ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካፍ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ምግላፁ ሓበሬታ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ የመላኽት፡፡
Read More...

ኣብ ማራቶን ሲድኒ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተኸታቲለን ብምእታው ተዓዊተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውስትራሊያ ሲድኒ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተኸታቲለን ብምእታው ተዓዊተን። ብብርኪ ኣትሌቲክስ ዓለም ደረጃ ፕላቲኒየም ዝተውሃቦ ማራቶን ሲድኒ÷ ኣትሌት ወርቅነሽ ኢዴሳ 2:21:40 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ክብረ ወሰን እቲ ቦታ ብምምሕያሽ ተዓዊታ። ኣትሌት ሩቲ ኣጋ 2:23:09 ከምኡ…

ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ እንትቕፅል ደርቢ ሰሜን ለንደን ከተኣናግድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ራብዓይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ እንትቕፅል ደርቢ ሰሜን ለንደን ሓዊሱ ክልተ ፀወታታት ከተኣናግድ ኢዩ። ኣብ ደርቢ ሰሜን ለንደን ጋንታ ቶተንሃም ሆትስፐር ንጋንታ ርሰናል ተተኣናግደሉ ፀወታ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 10 ክካየድ ኢዩ። ሰዓት 12፡30 ድማ ዎልቭስ ንኒውካስል ዩናይትድ ክተተኣናግድ ኢያ።…

ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ልዕሊ ሳውዝሃምፕተንን 3 ን 0 ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መበል ራብዓይ ሰሙን መርሃ ግብሪ ፀወታ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ፥ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ልዕሊ ሳውዝሃምፕተንን 3 ን 0 ተዓዊታ። ሓዱሽ ፈራሚ ማቲየስ ዴሊትን ማርከስ ራሽፎርድን ቅድሚ ዕረፍቲ ክልተ ሸቶታት እንተቑፅሩ፥ጋርናቾ ድማ ድሕሪ ዕረፍቲ ሓንቲ ብምውሳኽ ጋንተኦም ሰለስተ ንባዶ ንክትስዕር…

ኣብ መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ  ሎሚ ሸሞንተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ አብ ዝሳለጥ መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ  ሸሞንተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም። ብመሰረት እዚ ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ሳውዝሃምፕተን ሰዓት 8፡30 ኣብ ስታዲየም ሴንት ሜሪ ከምዝረኻቡ እቲ መርሃ ግብሪ ይገልፅ። 11 ሰዓት ድማ፥  ማንቼስተር ሲቲ ምስ ብሬንትፎርድ፣ ሊቨርፑል ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት፣ ብራይተን ምስ…

ኣሰልጣኒ ሚኬል ኣርቴታ ኣብ ጋንታ ኣርሰናል ንምፅናሕ ዘኽእሎ ውዕሊ ኣናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሰልጣኒ ጋንታ ኣርሰናል ሚኬል ኣርቴታ ኣብታ ጋንታ ንተወሰኽቲ ዓመታት ዘፅነሖ ውዕሊ ኣናዊሑ፡፡ ብመሰረት እዚ ስፔናዊ ኣሰልጣኒ ኣርቴታ ኣብ ጋንታ ሰሜን ለንደን ንተወሰኽቲ ሰለስተ ዓመታት ንምፅናሕ ዘኽእሎ ክታም ምንባሩ እታ ጋንታ ኣፍሊጣ፡፡ ድሕሪ እቲ ስነ-ስርዓት ፊርማ ኣብ ዝሃ ርኢቶ ድማ÷ ኩንትራት ብምንውሑ ትኽክለኛ…

ዋልያታት ኣብ 2025 መፃረዪ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሞሮኮ ካልኣይ ዙር ፀወተኦም ከካይዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋልያታት ኣብ 2025 መፃረዪ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሞሮኮ ካልኣይ ዙር ፀወተኦም ምስ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ከካይዱ ኢዮም። እቲ ፀወታ ፅባሕ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ታንዛኒያ ዳሬ ሰላም ብሄራዊ ስታዲየም ቤንጃሚን ምካፓ ኢዮም ከካይዱ። ኣብ ህማምን ጉድኣትን ዝነበሩ ኣብነት ደምሴን ወገኔ ገዛኸኝን ዋልያታት ትማሊ ኣብ ዝገበርዎ ናይ…