ስፓርት

ስፓርት

ኣብ ቻይና ናንጂንግ ዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናይ ጅግና ኣቐባብላ ተገይሩሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቻይና ናንጂንግ ኣብ ዝተኻየደ መበል 20 ዓለም ለኸ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሎሚ ንግሆ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ፡፡ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ናይ ጅግና ኣቐባብላ ከምዝተገበረሉ ኣብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡ ነቲ ልኡኽ ሚኒስትር ዲኤታ ባህሊን ስፖርትን መኪዩ መሓመድ፣ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ፣ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር…
Read More...

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ጉዳፍ ፀጋይን ድርቤ ወልተጂን ቀዳማይን ካልኣይን ብምውፃእ ተዓዊተን። ኣብ ውድድር 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይን ድርቤ ወልተጂን 1ይቲን 2ይቲን ብምውፃእ ኢየን ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ወርቂን ብሩርን ከምፅኣ…

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ትፅቢት ዝግበራሉ ውድድር ፍፃመ ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝካየድ ውድድራት ፍፃመ መበል 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ትፅቢት ይግበረለን። ቀትሪ ሰዓት 9፡28 ብ1500 ሜትሮ ውድድር ፍፃመ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይን ኣትሌት ድርቤ ወልተጂን ክዕወታ ትፅቢት ይግበረለን። ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ቀትሪ…

ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ኣብ ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ብሩር ኣምፂኡ ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቻይና ናንጂንግ ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 20 ዓለም ለኸ ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና፥ ኢትዮጵያ እደቂ ተባዕቲዮ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ መበል ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ሜዳሊያ ብሩር ንሃገሩ ኣምፂኡ።…

ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ፈላማይ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ቻይና ናንጂንግ ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ፈላማይ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ። ኣብ 3 ሺሕ ሜትሮ ውድድር ደቂ ኣኒስቲዮ ኣትሌት ፍሬወይኒ ሃይሉ ሜዳሊያ ወርቂ ንሃገራ ኣምፂኣ። ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም ድማ ሓምሻይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድራ ዛዚማ።

ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ጉዳፍ ፀጋይን ድርቤ ወልተጂን ንፍፃመ ሓሊፈን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ብደቂ ተባዕትዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ጉዳፍ ፀጋይን ድርቤ ወልተጂን ንፍፃ ሓሊፈን፡፡ ኣብ ቻይና ናንጂንግ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ሻምፒዮና፥ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝተሳተፉሉ ውድድር ፍርቂ ፍፃመ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ተኻይዱ፡፡ ኣብ ምድብ 1…

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም ምስ ሃገራዊት ጋንታ ግብፂ ክትገጥም ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም 2026 ሓምሻይ ናይ ምድብ ፀወታኣ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ግብፂ ክትገጥም ኢያ። እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ምድብ ካብ ዝገበረቶም ኣርባዕተ ፀወታታት ሰለስተ ነጥቢ ብመሓዝ ኣብቲ ምድብ 5ይ ደረጃ እንትትቅመጥ፤ ተጋጣሚታ ግብፂ ብ10 ነጥቢ ነቲ ምድብ እናመርሐት ትርከብ።…