ስፓርት

ስፓርት

ኣብ ማራቶን ፍራንክፈርት ኣትሌት ሃዊ ፈይሳ ክብረወሰን ብምምሕያሽ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጀርመን ፍራንክፈርት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ሃዊ ፈይሳ ክብረወሰን ብምምሕያሽ ተዓዊታ። ኣትሌት ሃዊ ፈይሳ እቲ ውድድር 2 ሰዓት 17 ደቒቕን 25 ሰከንድን ብምእታው ከምዝተዓወተት ሓበሬታ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ የመላኽት፡፡
Read More...

ኣትሌት ዮሚፍ ቀጀልቻ ክብረ ወሰን ዓለም ፍርቂ ማራቶን ሰይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ዮሚፍ ቀጀልቻ ኣብ ቫሌንሺያ ሜዲዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ክብረ ወሰን ዓለም ብምስባር ተዓዊቱ፡፡ እቲ ኣትሌት ነቲ ርሕቐት 57 ደቒቕን 30 ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብመእታው ከምዝተዓወተ ሓበሬታ ኣትሌቲክስ ዓለም ኣመልኪቱ፡፡ ክብረወሰን ዓለም ፍርቂ ማራቶን ብኡጋንዳዊ ኣትሌት ጃኮብ ኪፕሊሞ ተታሒዙ…

መቻል ንወልዋሎ አዲግራት ዩኒቨርሲቲ ብምስዓር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሓሻይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ መቻል ንወልዋሎ አዲግራት ዩኒቨርሲቲ 3 ን 0 ብምስዓር ተዓዊታ። ቀትሪ ሰዓት 10 ጀሚሩ ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ÷ መቻል ታዬ ጋሻው (ኣብ ናይ ባዕሉ ሸቶ)፣ ኣቤል ነጋሽን ዳንኤል ዳርጌን ብዘመዝገቡወን ሸቶታት ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ ወፂኣ። ፀወታ እቲ ሊግ ሰዓት 1…

ፀወታ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ጁባ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ሃገራት ኣፍሪካ (ቻን) ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ናይ በፂሕኻ መልሲ ፀወታኣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ጁባ ከምትገብር ተገሊፁ፡፡ ብመሰረት እዚ ፀወታ በፂሕኻ መልሲ እተን ሃገራት 21 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም 24 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ከምዝካየዱ ምግላፁ ሓበሬታ ፌደሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ የመላኽት፡፡

መሳይ ተፈሪ ግዚያዊ ኣሰልጣኒ ዋሊያታት ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መሳይ ተፈሪ ንገብረመድህን ሃይለ ብምትካእ ግዚያዊ ዋና ኣሰልጣነኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ (ዋሊያታት) ኮይኑ፡፡ ብመሰረት እዚ ኣሰልጣኒ መሳይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ሃገራት ኣፍሪካ (ቻን) ትገብሮም ፀወታታት ንኽመርሑ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፌደሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ወሲኑ፡፡ ኣሰልጣኒ መሳይ…

ኣብ ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ባርሴሎናን ባየርን ሙኒክን ዝገብረኦ ግጥም ትፅቢት ይግበረሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሳልሳይ ዙር ካልኣይ መዓልቲ ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ እንትቕፅሉ ጋንታታት ባርሴሎናን ባየርን ሙኒክ ዝገብረኦ ግጥም ትፅቢት ይገበረሉ፡፡ ምሸት ሰዓት 1፡45 ኣብ ከተማ ቤርጋሞ ጣሊያናዊት ጋንታ ኣታላንታ ምስ ስኮትላንዳዊት ሴልቲክ ከምኡ እውን ፈረንሳዊት ጋንታ ብረስት ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ባየር ሌቨርኩሰን…

መበል 46 ሓፈሻዊ ጉባኤ ካፍ ሎሚ መዓልቲ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 46 ሓፈሻዊ ጉባኤ ኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ። ኣበግቲ ጉባኤ ፕሬዝዳንት ኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ ፓትሪስ ሞትሴፔን ኣባላት ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ካፍን፣ ፕሬዝዳንት ዓለም ለኸ ማሕበር ኩዕሾ እግሪ (ፊፋ) ጂያኒ ኢንፋንቲኖን ዋና ፀሓፊ ፊፋ ማትያስ…